2009-05-31 19:25:41

ንኣሽቱ ጉጅለ ማኅበረ-ክርስትያን


RealAudioMP3 ኣብ ዝተፈላለያ ቍምስናታት ዝርከቡ ኣባላት ምእመናን ኣብ ነኣሽቱ ጉጅለ ተወዲቦም ኣብ ውሽጢ ቍምስና ናይ ስብከተ ወንጌል ተልእኮ እናፈጸሙ ወንጌል ኣብ ምብሳር ክዓዩ ዘተባብዕ ብኣባ ፒየርጆርጆ ፐሪኒ ዝተመሥረታ ነኣሽቱ ማኅበረ ቁምስናታት ከም ናይ ኣስፍሆ ወንጌል ሜላ ዝፈልጦ ድንጋጌ ቅድስቲ መንበር ትማሊ ብናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓዋርያዊ ሓይልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ብወግዒ ነቶም ናይዚ ማኅበር መሥራቲ ንኣባ ፔርጆ ፐሪኒ ከምእተረከበ ተሓቢሩ።

“እዚ ማኅበር ኣብ ዓለም ኵሉ ኽቅደስን ወንጌል ክስፋሕፋሕን ዝዋፈር ኢዩ” እንክብሉ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ዝሓሊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ እቲ ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብሕጊ ዘፍልጦ ድንጋጌ እንከረክቡ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

“ኣባላት ናይዛ ማኅበር ሕጉሳት ንኽርስቶስ ዘፍቅሩ ኮይኖም፣ እቲ ናይ ሓባር ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ጸዋዕታ ኣዕሚዩቖም ዝርድኡን ኣብ ግብሪ ዘውዕሉን ክኾኑ ከምዘለዎም” ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ቀጺሎም “ናይዚ ካብ ወንጌል ዝረከብ ሓጎስ መሰኻኽር ኢዮም” ከምዝበሉ ተገሊጹ። ኣባላት ናይዚ ማኅበር በቢ ጉጅለ ከም ሓንቲ ንእሽተይ ቍምስና ኮይኖም ኣብ ዝዓዩሉን ኣብ ዝመሃሩሉን ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዝፍጽሙ ክኾኑ እንከለዉ እዚ ብኣባ ፒየርጆርጆ ፐሪኒ ኣብ ኢጣሊያ ሚላኖ ከተማ ብ 1986 ዓ.ም.ፈ. ዝተጀመረ ማኅበር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢጣሊያ 147 ጉጅለ ልኡካን ስብከተ ወንጌል ከምዘለዎን፣ በቢ ዓመት እዚ ማኅበር ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ከምዘካይድን ናይ 2009 ዓ.ም.ፈ ጉባኤኡ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 7 ሰነ ኣብ ሚላኖ ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.