2009-05-31 19:34:29

ሰንበት ዘዕርገት


ንባባት፡ ኤፈውሶን 1፡17~23 1ጴጥሮስ 3፡15~ፍ ግ.ሓ. 1፡1~11 ማርቆስ 16፡15~20 መዝሙር፡ በሰንበት ዓርገ . . . ።

“እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ”፥ ብዓይኒ ሥጋ ካብኦም እናረአይዎ ተፈለ። ዕርገት እንታይ ማለት እዩ? ካብ ምስጢር ዕርገት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፥ ዕርገት ብኸመይ ንርድኦ? ነዚ ምስጢር ዕርገት ቃል ንቓሉ ከይንወስዶ ክንጥንቀቕ ኣሎና፥ ኢየሱስ ንላዕሊ ከም አብ ሄሊክፕቴር ወይ ዝኾነ ንጠፈር ዝኸይድ ኣይ ነፈረን፥ ዕርገት ኢየሱስ ንፍሉይ ኩነቱን ንፍሉይ ትልእኮ ኩሎም ተኸትልቱን ዝፈለመ ፍጻሜ እዩ።

ኢየሱስ ንላዕሊ ገጹ ዓሪጉ እንተ ኾይኑ ናበይ ከይዱ? ንሰማይ? ሰማይከ ኣበይ እዩ? ናብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ምድረ እስራኤል?ብዙሕ ክንሓስብ ንኽእል ኢና፥ ትርጉም ዕርገት ክንፈልጥ ግቡእ እዩ፥ መጀመርያ ክንግንዘቦ ዝግባእ እምብአር መንግስተ ሰማይ ቦታ አይኮነን፥ ናይ መወዳእታ ምስ ኣምላኽ እንገብሮ ርክብና እዩ፥ መንግስተ ሰማይ እግዚአብሔር ዘልዎ እዩ፥ ምስ አምላኽ ምዃን ማለት አብ መንግስተ ሰማይ ምዃን ማለት እዩ።እዚ እዩ ዕርገት ማለት ኢየሱስ ኩሉ ምድራዊ ተልእኮኡ ፈጺሙ ንኹሉ ግዜ አብ ሰማያዊ አብኡ ተመሊሱ። ግ.ሓ. ደመና ንሰማይ ወሲድዎ ይብለና ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ደመና ምልክት ኣምላኽ እዩ፥ ስለዚ እግዚብሔር አብ ንወዱ ናብኡ ወሲድዎ ማለት እዩ።

ኣብ ጽሑፋት ሓዲስ ኪዳን ትንሣኤ ኢየሱስ ሰለስተ ነገራት ብፍሉይ ክንርዳእ ይሕግዘና፥


ናይ ኢየሱስ ሞት፥ትንሣኤ፥ዕርገት፥ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምውራድ ኩሉ ኣብ ሓደ ፍጻሜ ዝጥቕለለ እዩ። አብቲ አብ ጎቦ ቀራንዮ ክስዋዕ እንከሎ ንርእሱ ኢሚንት ዝገበረ ኣብኡ ክጥርነፍ ይክአል። እዚ ሓደ ፍጻሜ ኣብ ክርስትናና ድሕሪ ትንሣኤ ሸውዓት ሰናብቲ ይሕዝ። ኻብ ትንሣኤ ክሳብ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ዘሎ ሰናብቲ።

ኣብ ዕለተ ትንሣኤ ናይ ኢየሱስ ብሞት ናብ ሕይወት ዝተሳገሮ ነተኩር። ሎሚ ኣብ ብዓል ዕርገት ብዝያዳ ናይ ኢየሱስ ንሰማይ ዝዓረገሉ፥ ምስ አብኡ ሓደ ክብሪ ዝተጓነጸፈሉ ነብዕል።

ኢየሱስ ቅድሚ ምዕራጉ ንሰማይ ንሓዋርያቱ ፍሉይ ተልእኮ ሂብዎም፥ ነቲ ኣነ ዝጀመርክዎ ኣብ ኩሉ ዓለም ቀጽልዎ ኢሉ ልኢኽዎም ንሱ ንባዕሉ ዘይገበሮ ክገብሩ ሓቢርዎም። “አነ ናብ አቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ እቲ ብአይ ዝአምን ንሱ ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዝገብር ካብኡ ዚዓቢ ከም ዚገብር ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” (ዮሓ 14፡12)። ካብ ሕጂ ንድሓር ወንጌል ናብ ኩሉ ዓለም ክሰብኩ እዮም።

ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ነዚ ሓላፍነት ክህቦም እንከሎ ሰለስተ ነገራት ኣሎ ክንሓስቦ ዘሎና፡ንአና እውን ዝሃቦ ለበዋ ዘዘኻኽር።

    ስብከተ ወንጌል ናይ መላእ ማሕበር ክርስቶስ ተልእኮ እዩ። ንትምህርተ ወንጌል ምትሕልላፍ ናይ ኩሎም አመንቲ ክርስቶስ ሓላፍነት እዩ፥ እዚ ብዝያዳ ክንፈልጦ ዘዘኻርሮ እንተሎ ስብከተ ወንጌል ናይ ካህናትን፥ ደናግልን ጥራሕ ስራሕ ኣይኮነነ። ናይ ነፍስወከፍ አማንይ ክርስቶስ ስራሕ እዩ፥ እዚ ኸአ አብቲ ቀንዲ መሰረት ሕርየትና ንክርስትና ዝተመስረተ እዩ። ብዙሕ ግዜ ስብከት ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ናብኡ ሕይወቶም ዘወፈዩ ጥራሕ ንሓድጎ ግን ስብከተ ወንጌል ናይ ኩልና ጉዳይ እዩ።

    ቤተክርስትያን ተልኮአ ክተንጽሕ እዩ። ወድሰብ ምሉእ ኣካላቱ ማለት ነፍሱን ሥጋኡን ክነጽሕ አለዎ ናይ ድሕነት ጣዕሚ ኸአ ብኽልቲኡ ባሕርያቱ ከስተማቕሮ ይግባእ፥ ብመንፈስ፥ ስምዒት፥ ሰውነት፥ ኩሉ ከባቢኡ ክቕየር ይግባእ፥ ሕይወት ኢየሱስ ብዙሕ ግዜ አብ ምሕዋይ ሕሙማት እዩ ኣሕሊፍዎ። ናይ ነፍስን ሥጋን ምንጻሕ ብዙሕ ግዜ ከም ዝግድሶ ዝነበረ ሽዑ ምሉእ ክምዝኾኑ ዝነበሩ ወንጌል ይነግረና። ሓጢአት ዘኸትሎ ሳዕበን አብ ኩሉ መንፈሳውን ሥጋውን ሕይወትና ክንርእዮ ንኽእል፥ ስለዚ ንነፍሲ ጥራሕ ምንጻሕ ማለት ኣብ ኑዛዝየ ከድካ፥ ወይ ንሥጋ ጥርሕ ምሕዋይ ኣብ ሆስፒታል ከድካ እኹል አይኮነነ። ምሕዋይ/ምንጻሕ ናይ እቲ ብነፍስን ብስጋን ዝቖመ ሰብ የድሊ።

    ኢየሱስ ንሓዋርያቱ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ሓይሊ ከምዝለብሱ ተስፋ ሂብዎም፥ እዚ ፖሎቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ስልጣን አይኮነን፥እዚ ናብቶም ኣብ ሓላፍነት ቤተክርስትያን ጥራሕ ዝተሓጽረ ጉዳይ ኣይኮነን። ኩሎም አመንቲ ዝሳተፍዎ መጻኢ ራእይ ሕይወት ከመይ ክኸውን ከም ዝግብኦ ዝሕግዝ ስልጣን እዩ። እዚ ፍሉይ ሓይሊ/ስልጣን ካብ ልቢ ነቒሉ ንሰባት ጽንዓት ኣብ ግዜ ድኻም፥ ተስፋ ኣብ ግዜ ፍርሒ፥ ብሓጺሩ ኣብ ኩሉ ኩነታት ትርጉም ሕይወት ዝህብ እዩ።

    አብ መጨረሽታ ማሕበር ክርስትና እዚ በይኖም አይኮኑኑ ዝገብርዎ፥ “አነ ኩሉ ግዜ ክሳብ መጨረሽታ ዓለም ምሳኹም ኣሎኹ” ንሱ አማኑኤል እግዚአብሔር ምሳና እዩ። ብመንፈሱ ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ኣብን ብአኦምን ብቐጻሊ ምስ ሰርሔ እዩ። ነዚ መሰረት ገርና ኢየሱስ ብነፍስ ወከፍና ገሩ ከም ዝሰርሕ ንአምን። ስለዚ እምብአር አብ ነፍስወከፍና ቦታ ክረክብ ይግብኦ። “ንሓደ ክብዞም ንኡሳት አሕዋተይ ዝገበርክምዎ ንአይ ከም ዝገበርክምዎ እዩ” ይብለና።


ብዓል ዕርገት ዘመሓላልፎ ፍሉይ መልእኽቲ ንሕና እውን ሓደ መዓልቲ ምድራዊ ሕይወት ወዲእና ንሰማይ ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ክንሓልፍ ኢና ስለዚ ሓለፍቲ ምዃና ፈሊጥና አብ ሕቝፊ አቦና ክንርከብ ሎሚ ነቲ ንሱ ዝሃበና ለበዋ ንውፈር። ዕርገት ፍሉይ መልእኽቱ ንስብከተ ወንጌል ክንወፍር ዝሕግዝ እዩ። ሎሚ ንሕና ንኢየሱስ አብ መንጎ ዓለምና ሕያው ክንገብሮ መዝነት ተዋሂቡና አሎ፥ ኣብ ግላውን ሓበራውን ሕይወት ክርስቶስ ክአቱ እሞ መቐረት ክህቦ ንዓድሞ። እንተኾነ ንኻልኦት ቅድሚ ምስባኽና ንርእስና መጀምርታ ክንሰብኽ ይግባእ፥ ሎሚ ጸጊሙ ዘሎ ንርእሱ ዝሰብኽ የሎን። ሓዋርያት ኢየሱስ ቅድሚ ንኻልኦት ምስባኾም መጀምርታ ንርእሶም ምስ መምህሮም ተወሃሂዶም ሽዑ ስብከት ቀሊልዎም። ንክርስቶስ ምስ ሓዙ ኩሉ ግፍዒ ዓለም ዘምጽኦ ክጾሩ ክኢሎም። ሰብ ዓቕሉ ዝጸቦ ኩሉ ዝጽልምቶ ንብርሃን ክርስቶስ ክርኢ ስለ ዘይከአለ እዩ።

ዝሓልፈ ሶሙን መዓልቲ ነጻነት ኣብዒልና ግን ነጻነትና ናይ ነፍስን ሥጋን ነጻነት ዶ ኾይኑ ውዒሉ ወይስ ናይ መግብን ሳዕሳዒትን ከም ክርስትያን እጃምና ኣብ ሰላም ሃገርን ኣብ ጽንዓት እምነትን ከመይ ርኢናዮ። ሎሚ ነዚን ካልእ ሕቶን እንምልሰሉ ግዜ እዩ። ሓዋርያት አብ መንጎ ዕርገትን ብዓል ጰራቅሎጦስ ዘሕለፍዎ ግዜ ኣብ ጽሎት እዩ ነሩ፥ጽሎቶም ብምውራድ መንፈስ ቅዱስ ተመሊሱ፥ መ/ቅዱስ ሓይሊ ሂብዎም ነቲ ለበዋ መምህሮም ክፍጽሙ፥ ንሓና ከም ቤተክርስትያን ኣብ ከምዚ ኩነትዶ ንርከብ ኣሎና። መ/ቅዱስ ጽሎትና ክምልስ እዩ፥ ሓይልን ጽንዓትን ኣልቢሱ ንስብከተ ወንጌል የውፍረናዩ። መ/ቅዱስ ኢየሱስ ከምዘይ ሓደገና እንታይ ድአ ኩሉ ግዜ ብዝያድ ኣብ መንጎና ምህላዉ ይነግረና። ብጸሎት ናብ አምላኽ ንመለስ። ምጽላይ ድኽመት አይኮነን።

ንሓዋርያት ዝባረኸ አምላኽ ሎሚ እውን ይባርኸና ንፍሉይ ስብክተ ወንጌል እንወፍር ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.