2009-05-31 19:23:13

ማእከላይ ምብራቕ


RealAudioMP3 ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ንኽብገስ ናይ ኣሜሪካ መንግሥቲ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕራታት የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ርእሰ ብሄር ባራክ ኦባማ ቅድሚ ዓሠርተ መዓልቲ ኣብ ዋሽንግቶን ምስ ናይ እስራኤል መራኄ መንግሥቲ በኒያሚን ናታንያሁ ድሕሪ ምርኻቦም ቅድሚ ትማሊ ምስ ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ መንግሥቲ ርእሰ ብኄር ኣቡ ማዘን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተገሊጹ።

ርእሰ ብሔር ኦባማ እስራኤል ኣብቲ ብዕራብ ሥግር ዮርዳኖስ ከባቢ ዜጋታታ ናይ ምሥፋር መደብ ከተቋርጾ ብግልጺ ከምዝሓተቱን፣ ፍልስጥኤማውያን እውን ናይ ዓመጽ መሣርሒ ንኸይጥቀሙን ከምዝጸውዑ ተሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ርእሰ ብኄር ባራክ ኦባማ ኣብ ሪያድ ምስ ናይ ሲዑዲያ ንጉሥ ኣብዱላህን ኣብ ግብጺ ድማ ምስ ርእሰ ብኄር ሆስኒ ሙባራክ ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.