2009-05-30 16:21:39

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ሾመንተ ሃገራት አምባሳደራት መልእኽቲ ተቀቢሎም


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ ፡ ናይ ሾመንተ ሃገራት ሐደስቲ አምባሳደራት ናይ ሹመት መልእክቲ ከም ዝተቀበሉ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አፍሊጡ።

ሐደስቲ አምባሳደራት ንቫቲካን ዝልአኻ ሀገራት ፡ ሞንጎልያ ህንድ በኒን ኒውዚላንድ ደቡብ አፍሪቃ ቡርኪና ፋሶ ናሚብያን ኖርወይን ከም ዝኾና እቲ መግለጺ አመልኪቱ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት በነዲክቶስ ነቶም አብ ቫቲካንን ዝተመደቡ ሐደስቲ አምባሳደራት ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ከም ዘመልከትዎ፡ እዚ ሕጂ ብዓለም ለኸ ደረጃ ተኸሲቱ ዘሎ ኤኮኖምያዊ ቅልዋላው ሰብአዊ መቅዘፍቲ ከየስዕብ፡ ምስትውዓልን ምትሕብባርን ጥንቃቄን የድሊ።

ቀጺሎም፡ ድኽነት ጠንቂ ሰላም ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፡ ነዚ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኤኮኖሚ ብሐባር ብመጽናዕትን ሓላፍነት ብዝመልኦ አገባብን ንምግታእ ብርቱዕ ጻዕሪ ክካየድ ከም ዘድሊ ነቶም ሐደስቲ አምባሳደራት ከም ዝገለጽሎም እቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ነዚ ቅልውላው ኤኮኖሚ”ዚ መሠረታዊ ፍታሕ ንምርካብን ቀዋሚ ሰላም ንምርግጋጽን ካብ ስስዔ ነፃ ዝኾነ ቅኑዕ ሕልናን ቅንዕናን ሞራልን ከም ዘድሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም አብ ቫቲካን ዝተመደብሉ ናይ ሹመት መልእኽቲ ዘቅረቡ ሐደስቲ አምባሳደራት ከም ዝገለጹሎም እቲ መግለጺ አነጺሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አተሐሒዞም፡ አብ ዝኾነ ይኹን ፍትሒ ዘይብሉ ሃገር ሰላም ክህሉ ስለዘይክእል፡ ፍትሒ ክነግሥ ናይ ግድን ከም ዝኾነ አጽኒዖም ከም ዘተሐሳሰቡ ክአ ተመልኪቱ።

ፍትሒ አብ ዘይብሉ ሥርዓት ማዕርነት ክህሉ ከም ዘይክእል ጠቂሶም ክአ ማሕበራዊ ማዕርነት ምእንቲ ክርከብን ሰላም ምእንቲ ክሰፍንን ሰብእዊ መሰል ደቂ ሰባት ክኽበሩ ከም ዝግባእ አጽኒዖም ከም ዘተሐሳሰቡ ተገሊጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እዚ ሕጂ አብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ኤኮኖምያዊ ቅልውላው አብ ልዕሊ ድኻታት ሀገራት ክሐዊ ዘይክእል ሽግር ከየስዕብ ከም ዘፍርሕ ጠቂሶም፡ ብኢንዱስትሪ ዝለምዓ ሃገራት አብተን አብ ምምዕባል ዝርከባ ሀገራት ዘፍስስኦ ዝነበራ ማዕለ ንዋይ ምጒዳል፡ ጠለብ ጥረ ነገር ልምዓታዊ ሐገዝ ምግታእን ዓቢ ሽግር ክፈጥር ከም ዝኽእል ከም ዘመልከቱ እቲ መግለጺ ነጊሩ።

ሰብእዊ መቅዘፍቲ ከይተኸሰተ ከሎ መሠረታዊ ጠንቂ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኤኮኖሚ ብሐባር ተጸኒዑ ክፍለጥ ብሐባር ፈውሲ ክድለየሉ ከም ዝግባእ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ግዜ ዝህብ ጉዳይ ከም ዘይኮነ ነቶም አምባሳደራት ከም ዝገለጽሎም ተፈሊጡ አሎ ።

ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም ናይ ሾመንተ ሀገራት ሐደስቲ አምባሳደራት ዝግበርዎ ዲስኩር፡ አብ ዓለም ለኻዊ ኤኮኖሚን ፋይናንስን ዘተኮረ ከም ዝነበረ ኪምልከት ከሎ፡ አተሐሒዞም ብምኽንያት ኤኮኖምያዊ ቅልውላው ሐገዝ ምቁራጽ ክብኡ ዝኸፍኤ ክአ መሰል ሰብ ከይግሃስ ምጥንቃቅ ከም ዘድሊ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ።

ብኻልእ ወገን አብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ናይ ሃይማኖታት ነፃነት ክግታእ ከም ዝርኤ ጠቂሶም ፡ መሠረታዊ እምነት መሰል ሰብ ምግሃስ ፍጹም ተቀባልነት ከም ዘይብሉን ሃይማኖታት አብ ምስፋን ሰላምን ፍትሕን ርትዕን ዓቢ ጊደ ከም ዘለወን ከም ዘተሐሳሰቡ ይምልከት ።

ብጉልባብ ሃይማኖት ዝካየዱ ግጭታትን ህውከትን ሕማቅ ተርእዮ ከም ዝኾኑ ብምምልካት ክአ፡

ስም እግዚአብሔር ብኸንቱ ክጽዋዕ ከም ዘይግባእ ፡ሃይማኖት መሳርሒ ፖሊቲካዊ ሥልጣን ክኸውን ከም ዘይግባእ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ።

ብሐፈሻ ኩለን ሃይማኖታት ብሐባር ናይ ሰላም መሳርሒ ክኾና ከም ዝግባእ ጠቂሶም ክአ መጻኢ ዕድል ወዲ ሰብ ፡ ሰላምን ሠናይን ምእንቲ ክኸውንን ግርማን ክብርን ወዲ ሰብ ምእንቲ ክዕቀብን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጊደአ ተበርክት ከም ዘላን ከም ተበርክትን ከም ዘረጋገጹ እቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ።

ምስ ኩሎም አምባሳደራት ዘካየድዎ ርክብ ምስተፈጸመ ክአ ንኹሎም በብሐደ ከም ዝረኸብዎምን ርክብ ቫቲካንን ዝውክልወን ሃገራትን ብዝምልከት ሓሳብ ንሓሳብ ከም ዝተለዋወጡን እቲ መግለጺ አገንዚቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.