2009-05-29 08:48:45

ሶማሊያ


RealAudioMP3 ኣብ ሶማሊያ በቲ ካብ ዝሓለፈ ዕለት 7 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ. ዝተጀመረ መጠነ ሰፊሕ ውግእ ምኽንያት 62 ሺሕ ሕዝቢ ቤቱን ንብረቱን ዛሕዚሑ ከምእተመዛበለ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ሶማሊያ ጊዜያዊ ናይ መሠጋገሪ መንግሥቲ ብዝሒ ተመዛበልቲ 280 ሺሕ ኢዩ ይብል።

ኣብታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ደባይ ተዋጋእቲ ኣኽረርቲ ምስልምና ኣል ሻባብ ዝወደቐት ካብ ሞቃዲሾ ብሸነክ ደቡብ 500 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብን ናይ ሶማሊያ ዓቢይ ወደብ ዝርከበላ ከተማ ኪሲማዮ፣ ዝወሃብ ናይ መጓዕዛያ ኣገልግሎት ንደቂንስትዮን ንደቂተባዕትዮን ዝተፈላለየ ክከውን ከምእተወሰነ ተሓቢሩ። እዚ ድማ በዞም ኣብ ሶማሊያ ናይ ዓልቃይዳ የማናይ ኢድ ዝበሓሉ ደባይ ተዋጋእቲ ኣብ ዝተተሓዛ ከተማታት ሶማሊያ ናይ ሻሪዓ ሕጊ ማሕበራዊ መመሓደሪ ሕጊ ይኸውን ከምዘሎ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.