2009-05-29 08:49:32

ስደተይናታትን ተመዛበልትን


RealAudioMP3 ናይ ኢየሱሳውያን ማኅበር ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት በቲ ኣብ ማልታ ብዝርከብ ጨንፈሩ ገይሩ፣ ኅብረት ኤውሮጳ ካብ ከባቢኡ ብባሕሪ ዝኣትዉ ዝደተይናታት ሕይወት ንምድሓን ማለት ገና ኣብ ባሕሪ እንከለዉ ሕይወቶም ካብ ሕደጋ ንምድሓን ዝሓቀነ ውሳኔ ከረጋገጽ ከምዝሓተተ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 30 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም.ፈ. ናይ ማልታ ሓለዋ ጸጥታ ወሰናስን ባሕሪ ኣብ ሓንቲ ጀልባ ዝነበሩ ስደተይናታት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዝቕረብዎ ሓገዝን ናይ ኢጣሊያ ባሕሪ ሓይሊ እውን 230 ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ገና ኣብ ባሕሪ እንከለዉ ተመሳሳሊ ሓገዝ ብምቕራብ ናብ ላምፔዱሳ ምስ ኣተዉን ናብ ሊቢያ ከምዝተፋነዉ ዝጠቐሰ ኣብ ማልታ ናይ ኢየሱሳውይን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝሓሊ ማኅበር መግለጺ፣ መሰልን ፍቓድን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክኽበር ሓደራ ከምዘበለ፣ ናይቲ ናይ ኢየሱሳውን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ቤት ጽሕፈት ኣብ ማልታ ኣመሓዳሪ ኣባ ጆሴፍ ካሳር ገሊጾም።

ኣባ ካሳር ቀጺሎም እቶም ነቲ ሓደገይና ጉዕዞ ዝፍጽሙ ስደተይናታት ዓለም ሓቆፋዊ ዑቕባ ዝግብኦም ኢዮም፣ ሽግርን መከራን እንተዘይድርኾም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ዝኾነ ይዅን ሃገር ንኽስደዱ እዚ ዓይነት ሓደገይና ናይ ባሕሪ ጉዕዞ በዲሆም ሓለዋ ደኅንነቶም ኣመይሓተቱን፣ ስለ’ዚ ኣባላት ሃገራት ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዝሓቱ ጉዳዮም ኣጻርዩ ግቡዕ ዕቕባ ከህቦም፣ እቲ ኣብ ማልታ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮት ቤት ጽሕፈት ዘተሓላለፎ መልእኽቲ ሓደራ ከምበለ ኣባ ካሳር ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.