2009-05-29 09:06:32

ሥራሕ ምፍታው ጽቡቅ ምልክት ኢዩ።


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዘቅረብዎ ሰሙናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ ዓለም ንሥራሕ ሰብኣውነት አልቢሱ ካብ ባርነት ድኽነት ነጻ ኪውጽእ እንተኾይኑ ርእሰ ቝጽጽርን ምክባር ሕግታትን ከተገብር የድልዮ ብምባል አተሓሳሰቡ። RealAudioMP3

ቅዱስነቶም ናይ ትማሊ አስተምህሮኦም መሠረት ዝገበሩ ኣብ መንጎ ሻምናይን ታሽዓይን ዘመን ባይዛንቲን ዚነብር ዝነበረ መንኮስ ቅድስ ተዮዶር ገዳማዊ እንኪኾን፣ ኣብ’ዚ ኣስትምህሮ’ዚ ልዕሊ ዕሥራ ሺሕ ዝኾኑ ምእመናን ከምዝተሳተፉ ተመልኪቱ።

ቅ. ተዮዶር ገዳማዊ ኣብ ዓውዲ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዝሃቦ ቀንዲ ኣበርክቶ ኣንጻር ምስሊ ቅዱሳን ዝተላዕለ ካልአይ ስደት ብዕቱብ ምቅዋምን፣ ሥርዓተ ደንቢ ገዳማዊ ሕይወት ምሕዳስን ከምዝኾነ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.