2009-05-26 16:37:22

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ንቤተክስትያን ቻይና


ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 27 ግንቦት 2007 ዓ.ም.ፈ. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ቤተ ክርትያን ኣብ ቻይና ዕለት 23 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ. ክካይድ ብዝተሓላልዎ ውሳኔ መሠረት፣ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብዓቢ ተሳትፎ ማኅበረሰብ ክርስትያን ከምእተፈጸመ ተሓቢሩ።
RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ናይ ከተማ ናፖሊ ብፁዕ ካርዲናል ክረሼንዞ ሰፐ ብቻይናውያንን ብዜጋታት ካልኦት ሃገራት ካህናት ተዓጂቦም መዓልቲ ጸሎት ንቤተ ክርስትያን ኣብ ቻይና ብምሕሳብ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ 500 ንላዕሊ ዝግመቱ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ ቻይናውያን ስደተይናታት ዝርከብዎም ምእመናን ከምእተሳተፉ ተገሊጹ። ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ፣ ኣብ ቻይና ክፍለ ሃገር ሳንግ ዶንግ እትርከብ ሰበኻ ዝሁ ኩን ቁምስና ሊን ዚ፣ ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ቤተ ክርስትያን ቻይና ብዓለም ለኸ ደረጃ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ክጽለ ዝሃብዎ ውሳኔ መሠረት፣ ናይ’ታ መልእኽቲ መምርሒ ብምኽታል ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ዝተፈጸመ ናይ ጸሎት ሥነ ሥርዓት ከምዝቐረበ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ናይ ዜና ምንጪ ከምዝሕብሮ እቲ ናይ ጸሎት መደብ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከምእተፈጸመ ተፈሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.