2009-05-26 16:42:25

ስእነት ሥራሕ ንኽፍታሕ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኢጣሊያ ሞንተካሲኖ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እንክገብሩ ኣብ ዘቕረብዎ ዲስኩር፣ እቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ዓቢይ ቅልውላው ኤኮኖሚ ኣብ ናይ ሥራሕን ፖለቲካ ናይ ሥራሕ ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላው ንሠራሕተይና ሕዝቢ ናብ ከቢድ ኤኮኖሚያውን ማኅበራውን ሥራሕ ኣልቦነትን ቅልውላው የውድቆ ከምዘሎ ጠቒሶም።
RealAudioMP3 እዚ ጉዳይ’ዚ ጥንቁቕ ቆላሕታ ተገይርሉ ህጹጽ ፍታሕ ክረክብ ዘቕረብዎ ሓደራ ኣማእኪሎም፣ ኣብ ሞንተካሲኖ ናይ’ቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ናይ ረድኤት ማኅበር ጨንፈር ኣመሓዳሪት ሮዛሪያ ላውሮ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ “እዚ ናይ ካሪታስ ማኅበር ነቶም ኣብ ከቢድ መከራ ንዝወደቑ ኣብ ዝህቦ ናይ ሓበሬታን ምኽርን፣ ነቶም ኣብ ድኽነት ንዝርከቡ ኣብ ዝህቦ ናይ ኤኮኖሚ ደገፍ ተሓጺሩ ከይተርፍ፣ እቲ ሓገዝ ካብ ፍቕሪ ዝነቐለ ኮይኑ፣ ሕዝቢ ንሓዋሩ ካብቲ ዘጓነፎ ሽግር ተላቒቒ ንኽነብር ዝድርኾ ክኸውን ኣለዎ ። ብሕልፊ ድማ እዚ ማኅበር እዚ ናይቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ድምጺ ኮይኑ፣ መሰልን ፍቓድን ክኽበረሉን ዝጽውዕ ምዃኑ ዘተሓሳስብ ኢዩ” ኢለን።

ናይ ኤውሮጳ ኅብረት ህዝባዊ ባይቶ ምኽትል ሊቀ መንበር፣ ማሪዮ ማውሮ ኣብ ዝሃውብዎ ቃለ ምልልስ፦ “ኤውሮጳ ነቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ቅልውላው ሥራሕ፣ ንምብዳህ ነቲ ባህላዊ መበቆላ ከተቃልሖን ክተፈልጦን ክትኽተሎን ይግባእ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ቅልውላዊ ሥራሕን እናኣስፋሕፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት ሥራሕ ንምውጋድ፣ ኣነነትን፣ ንዓይ ይጥዓመንን፣ ስስዔን ዝኣመሰሉ ንምውጋድን ንመንእሰያትን ሥድራ ቤት ምድጋፍ ከምዘድሊ ዘተባብዕ መገዲ ኢዩ። ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሞንተካሲኖ ዘስምዕዎ ዘረባ ነቲ ህልው ኩነታት ኣነጺሩ ዝተመልከተን መፍትሒኡ ድማ ዝሓበረን ኢዩ ኢሎም። ናይ ኤውሮጳ መበቆል ባህላ ኣብ ምትሕግጋዝን ምቅብባልን ምክብባርን ኣብ ልግስን ዝኣምን ኢዩ፣ ነዚ መበቆል ባህሊ እዚ ዳግም ምንቅቓሕ የድሊ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.