2009-05-26 16:43:16

ህልው ኩነታት ሶማሊያ


ኣብ ሶማሊያ ዕለት 7 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ ዳግም ኣብ መንጎ ናይ መሠጋገሪ መንግሥቲ ወትሃደራትን ኣኸረርቲ ምስልምና ደባይ ተውጋእትን ዝተባርዔ ውግእ እናገደደን ይኸይድ ከምዘሎን እቲ ውግእ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ሞቓዲሾ እዚዩ ሓይሉ ይካየድ ከምዘሎ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቕነ፣ በቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕድ ሕድ ውግእ 200 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 700 ዝግመቱ ድማ ከቢድን ቀሊን ሓደጋ መቑሰልቲ ከምዘጓነፎም ይንገር። RealAudioMP3

ብዛዕባ እዚ ዝተወጠረን ሓደገይናን ህልው ኩነታት ሶማሊያ ኣመልኪቶም፣ ከይዲ መሥርሕ ሰላም ንሶማሊያ ኣብ ዝብል መደብ ናይ ኢጣሊያ መንግሥቲ ወኪል ማሪዮ ራፋኤሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “እቶም ኣኽረርቲ ምስልምና ደባይ ተዋጋእቲ በቶም ናይዞም ሓይሊ ተዋጋእቲ ናይ ኣመራርሓ ኣባል ተመሪሑ ኣብ ጂቡቲ ኩለን ሓይልታትን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን ዘሳተፍ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ጉባኤ መሠረት ዝተመዘ ንሶማሊያ ዘማሓድር ዘሎ ጊዚያዊ ናይ መሠጋገሪ መግንሥቲ ንምስንኻል ዝሃቀነ ኢዩ። ብሕልፊ ድማ ሞቃዲሾ ንምቁጽጻር ዝተበገሰ ኢዩ” ኢሎም። ቀጺሎም “ኣብ ሶማሊያ ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ዝተኸስተ ኣልቦ ማእከላይ መንግሥቲ ቀልጢፍካ ኣክንዲ ምብዳሁ፣ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ዝተኸተሎ ናይ ሰላም መሥርሕ ዝንጉዕ ብምዃኑ፣ እዚ ድማ እቲ ኣልቦነት መንግሥቲ ሱር እናሰደደን ኣናተስፋፍሔን ንኽኸይድ ሓጊዝዎ ኢዩ፣ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ሕብረት ኤውሮጳ ንናይ ሶማሊያ ጉዳይ ፍሊዩ ቆላሕታ ገይሩሉ መፍትሒ ንኽረከበሉ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ ከምዝሎን እቲ ኣብ ዕለት 23 መጋቢት 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ብራሰልስ ዘካይዶ ኣኼባ ዝምስክሮ ኢዩ” ኢሎም።

ካብ ዕለት 9 ክሳብ 10 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሮማ ዓለም ሓቆፍ ጉጅለ ርክባት ጉዳይ ስማሊያ፣ ብዛዕባ ሶማሊያ ዝዝቲ ጉባኤ ከካይድ ኢዩ። እዚ ድማ ጉዳይ ሶማሊያ ዕሽሽ ዝባሃል ከምዘይኮነ ዘተሓሳስብን ምስትውዓል ክግበረሉን ዝሕብር ኢዩ” ኢሎም። “ቅልውላው ሶማሊያ ብእደ ኣታውነት እናተሓላለኸ ይኸይድ ከምዘሎ ንጹር ኢዩ። ስለዚህ ምእንቲ ኣብ ሶማሊያ ሰላም ንምርግጋጽ ንኽካየዱ ኣብ ዝተሓቀኑ መደባት ናይ ሰላም ዘተ፣ ነዚ ፖለቲካ እደ አታውነት ዝምልከትን፣ ኣብዚ ጉዳይ ተዋሳእቲ ዝበሃሉ ንኽሳተፉ ምትብባዕ የድሊ፣ ብኃይሊ ዘይኮነስ ብዘተ ጥራሕ ኢዩ ክፍታሕ ዝኽእል” ኢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.