2009-05-23 20:47:08

ዒራቅ


RealAudioMP3 ዕለት 14 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዒራቕ ካብ ኪርኩክ 30 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኣል ራሻድ ከባቢ ኣብ ዘላ ቑሸት ሩዋኢድሒ ዘሎ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ምህርቲ እንከለዉ ብኣርባዕተ ዕጡቓት ሰባት ዝተጨውዩ ዜጋ’ዛ ሃገር ዝኾኑ ብመምህርና ሙያ ዝመሓደር ናሚር ናድሒም ጉርጕይስ ዝተባህሉ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ናይ’ዛ ሃገር መራሕቲ ቀቢላታትን ሃይማኖት ምስልምናን ብዝገርዎ ምትሕብባር ድሕሪ 8 መዓልቲ ናጻ ከምእተለቀ ኤሺያን ኔውስ ኣብ ዒራቕ ከተማ ኪርኩክ ናይ ከለዳውያን ሥርዕት እትኽተል ካቶሊክ ቤት ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሳኮ ዝሃብዎ መግልጺ ጠቒሱ ካብ ዝሓብዎ ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ጉርጕይስ ናጻ ንኽልቀቑ ዝተገብረ ጻዕሪ ሕዝቢ ዒራቕ ሰላማዊ ኅብረ ሃይማኖትን ኅብረ ባህልን ኅብረ ዓሌትን ከምዝኾነ ዝምስክር ምዃኑ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.