2009-05-23 20:46:15

ሩዋንዳ


RealAudioMP3 ኣብ ሩዋንዳ ነቲ ን 50% ሕጻናት ናይ ሞት ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ሕጽረትን ስእነትን ናይ ዝተመጣጠነ መግቢ ንምብዳህ መንግሥቲ ዓቢ ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ኪጋሊ ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ዘቕረቦ ናይ ጥዕና ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፣ ነዚ ናይ ሕጻናት ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣዚዩ ዘጥቅዕ ዘሎ ሽግር ንምውጋድ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተፈላለዩ ወፈራታት ይካየዱ ከምዘለዉን እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። እዚ ንብዙኀት ሕጻናት ሩዋንዳ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ዘሎ ሽግር ምክልኻሉ ዝከኣል ከምዝኾነን ዝሓበረ መግለጺ ሚኒስትር ጥዕና ሩዋንዳ ብምትሕብባርን ግቡእ ሕክምና ብምቕራብን ንምውጋዱ ዝኣመተ ወፈራ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.