2009-05-23 20:45:00

ምስ መንእሰያት ዝዝቲ ናይ ቫቲካን ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ


ቅድሚ ትማሊ ሥርሑ ብዕሊ ዝጀመረ Pop2you ዝተሰምየ ብኀልዮት ጳጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙኀን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ምክሪ ኣብ ውሽጢቲ 200 ሚሊዮን ምዝጉባት ዘለዉዎ Facebook ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ፣ ቅድስቲ መንበር ምስ መንእሰያት እትዝትየሉን ነዚ ክፍሊ ማኅበረሰብ’ዚ እተስተምህረሉን ምዕዶ እተመሓላልፈሉን ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ ብልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ከምዝተበጽሔ ተሓቢሩ።

እዚ ሓድሽ ብኅብረ ቋንቋ ዝተደርሰን ብዝተፈላለያ ናይ ቫቲካን ድረ ገጻት ዝተደገፈን ኮይኑ ናብ መንሰያት ዘተኰረ ኢዩ። መንሰያት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝዝትይሉን ዕርክነት ዝፈጥርሉን ክኸውን ተሓሲቡ ዝተደርሰ መርበብ ሓበሬታ ኢዩ።RealAudioMP3

ኣብ ድሮ ናይ’ቲ ጽባሕ ሰንበት ዝዝከር መበል 43 ዓለም ለኸ መዓልቲ መራኸቢ ብዙኀን ኣገልግሎቱ ብወግዒ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ተገሊጹ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.