2009-05-21 18:27:32

ዕዉት ሓዋርያዊ ምብጻሕ


ናይ ኅብረ ሃይማኖት ማኅበር መሥራትን ሊቀ መንበርን ጋርይ ክሩፕ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 8 ክሳብ ዕለት 15 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ. “ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝነኣድን ዝምስገንን ኢዩ” እክብሉ ናብ ቅዱስነቶም ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።RealAudioMP3

እዞም ናይ ኣይሁድ ኣምነት ተኸታልን ኣሜሪካዊ ዜጋ ክሩፕ፣ “ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፣ ቅድስቲ መሬት ንምብጻሕን ኣብኡ ተረኺቦም ዝሓብዎ ምኽርን ኣስተምህሮን ዘምዕዎ ዘረባን ዘነቓቕሕዎም ሰናይ ዕላማታት፣ ትብዓቶምን እምነቶም ዝምስክር ኢዩ” ኢሎም። “ኣብታ ብፖለቲካን ሓይማኖትን ባህል ገፊሕ ፍልላይት ዝንጸባረቐላ ሃገር ሰላም ንኽረጋገጽ ምስዓቡ ዘድሊ ናብ ሰላም ዘብጽሕ መገዲ ከምዝመስከሩን ከምዘሓበሩን፣ በንጻሩ ካብ ውሑዳት ኣካላትን ክፍልታት ማኅበረሰብ ዝተወሃቦ ኣሉታዊ ትንተና ዘሕዝንን ኣብ ሓቂ ዘይተመርኰዘ ኢዩ” እንክብሉ ኣብቲ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

“ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ዘረጋገጽ ዝሓበርዎ መገዲ፣ ብዙኀት ሰላም ዘይምጽእ ክነሱ ምእንቲ ሰላም ኢና እናበሉ ምስ ዝኽትተልዎ መርኀ ግብርታቶም ዘይሰማማዕ ብምዃኑ፣ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክነቕፉ ምርኣዩ ዘሕዝን ኢዩ” ኢሎም። ቀጺሎም “ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕዉት ኢዩ ኔሩ” እንክብሉ፣ እግዚኣብሔር ኣብ መገዶም ከሰንዮምን፣ ኣብ ዓለምና ሰላም ንኽረጋገጽ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ፍሪያማ ክኸውን ዘመነ ጵጵስናኦም ነዊሕ ክኸውን ክድግፎምን ክባርኾምን ከምዝጽልዩ ከምዘረጋገጹ” ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.