2009-05-21 13:10:01

እናቴ ማርገሪታ ማርክዮነ አባል ማሕበር ፒየ ፍሊፒነ ር.ሊጳ. ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ዘተኰረ መጽሐፍ ጽሒፈን፡


እናቴ ማርገሪታ ማርክዮነ ዝተባህላ አባል ማኅበር ደናግል ፒየ ፍሊፒነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ንመንበረ ሓዋርያ ጰጥሮስ ዝተሰየምሉ መብል ሰብዓ ዝኽረ ዓመት መሠረት ብምግባር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መበል ዓሰርተ ክልተ ዘርእስቱ መጽሓፍ ከም ዘዳለዋ ተመልኪቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ናዚ ጀርመን አብ መላእ ኤውሮጳ ይነብሩ ንዝነበሩ አይሁዳውያን ከሳድድዎምን ክቀትልዎምን ከለዉ ስቅ ኢሎም አይተኸላኸልሎምን ብማለት ብማሕበረ ሰብ አይሁድ ከም ዝሕመዩን ዝውቀሱን ክዝከር ከሎ እዚ ብናቴ ማርገሪታ ማርክዮነ ዝተጻሕፈ መጽሐፍ ነዚ አበሃህላ”ዚ ሓቅነት ከም ዘይብሉ ብሰነዳት ዝተደገፈ መርትዖ ዝሐዘለ መጽሐፍ ከም ዝኾነ ተነጊሩ።

አብ ኢጣልያ ከተማ ሮማ ብ1943 / 44 ብናዚ ጀርመን ተታሒዛ አብ ዝነበረትሉ ግዜ ካብ ሓሙሽተ ሺሕ ዝበዝሑ አይሁዳያውያን ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ከም ዝድሐኑ እቲ ብናቴ ማርገሪታ ማርክዮነ ዝተጻሕፈ መጽሐፍ ብሰነድ አሰንዩ ከም ዝገልጽ ይምልከት።

እቲ ናዚ ጀርመን አብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን አይሁዳውያን ዝፈጽምዎ ህልቀተ ህዝቢ ሆሎካውስት ወይ ክአ ብእብራዊ ቋንቋ ሸዋ ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ክዝከር ከሎ፡ ነዚ ንምዝካር አብ ኢየሩሳሌም ያድ ቫሸም ዝተባህለ ቤተ መዝክር ከም ዘሎ ክፍለጥ ከሎ ክአ አብቲ ቤተመዘክር ፡ አብ ትሕቲ ስእሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ብግዜ ህልቀተ አይሁድ ስቅ ኢሎም ከም ዝነበሩ ተጻሒፉ ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ፡ እዚ ዝተጋነነ ካብ ሐቂ ዝርሐቀ ከም ዝኾነ እቲ ብእናቴ ማርገሪታ ማርክዮነ አባል ማሕበር ፒየ ፍሊፒነ ዝተጻሕፈ መጽሐፍ ከም ዘመልክት ተገሊጹ አሎ።

እቲ እናቴ ማርገሪታ ማርክዮነ ዝጽሓፍኦ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ዘርእስቱ መጽሓፍ ፡ ናይ ታሪኽ ሰባትን ገለ ካብቲ ብናዚ ጀርመን ንአይሁድ ንምጽናት ዝተኻየደ እኩይ ተግባር ዝተረፉ አይሁዳውያንን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ማለት ብፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ከም ዝድሐኑ ዘዘንተውዎ ዝሓዘለ ከም ዝኾነ ይምልክት።

ብሐደ ሐደ ጽሓፍቲ ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ዝጽሐፍዎን መርትዖ ዝጐደሎ ነገራት ካብ ሓቂ ዝርሐቀን ሓቂ ዘየንጸባርቅን ከም ዝኮነ መጽሐፍ እናቴ ማርገሪታ ማርክዮነ ሐተታ ከም ዘቅርብ ክአ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.