2009-05-21 18:28:42

ሶማሊያ


ኣብ ሶማሊያ ዝነበሩ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራት ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ከምዝወጹ ክዝከር እንከሎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ዘዳቡብ ክሊ ሓሊፎም ኣብ መሬት ሶማሊያ ኣትዮም ዝብሉ ዜናታት ይስምዑ ኣለዉ።RealAudioMP3

ገለ ገለ ዜጋታት ሶማል ከምዝብለዎ እተድኣ ኮይኑ ብትኽክል ካብ ሞቓዲሾ 330 ኪሎ ሜትር ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሶማል ከምዝሠፈሩ ክፍለጥ እንከሎ፣ መንግሥቲ ኢትዮጵያ፣ ወተሃደራቱ ካብቲ ምስ ሶማሊያ ዘዳቡቦ ከባቢኡ ሰገር ከምዘይርከቡ ገልጹ፣ ሠራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ሶማል ጥሒሱ ኣብ መሬት ሶማል ኣሎ ዝብሉ ዜናታት ሓሶት ኢዩ ዝብል ሓፈሻዊ መገልጺ ሂቡሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ሶማሊያ ናይ መጻኢ ዕድል ዝዝቲ ጉባዜ ዝመጽእ ዕለት 10 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሮማ ክካየድ ምዃኑ ተገልጺሉ ኣሎ።

ብዛዕባ ኅሉው ኵነታት ሶማሊያ ብዝምልከት ኣብ ጂቡቲ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ኣብ ሶማሊያ፣ ብፁዕ ኣቡነ ጅርጆ በርቲኒ ብስልኪ ምስ ረዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “እቲ ኣብ ሶማሊያ ቆይሙ ዘሎ ግዚያዊ ናይ መሠጋገሪ መንግሥቲ ድሕሪ 15 ናይ ሰላም ዘተ ዝተመዘን ሓደ ሶሲ ናይ ሶማሊያ ከባቢ ዝቆጻጸርን ኢዩ። ኣል ሻባብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳትን ኃይልታት ኣክረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝሓቁፍ ግንባር፣ ነዛ ሃገር ንምቁጽጻር ፈተነ የካይድ ኣሎ፣ እዚ ዘርኤ ዘሎ ኅልው ኩነት’ዚ ነቲ ን 19 ዓመት ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከብ ሕዝቢ ሶማል ናብ ዝገደደ ስቓይ ዘውድቖ ኢዩ” ከምዝበሉ ተፈሊጡ።

ናይ ኢትዮጵያ ወትሃደራት ኣብ ሶማሊያ ኣትዮም ኢዮም ይበሃል፣ እቲ ኣብ ሰንከልከል ዘሎ ናይ መሠጋገሪ መንግሥቲ ንምድጋፍ ናብ ሶማሊያ ዳግም ክኣትዉ ዝከኣል ኢዩ እንተኾነ ግን ብዛዕባ ምእታዎም ዝተረጋገጸ ነገር የሎን” ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.