2009-05-19 14:54:36

ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ፍቕሪ ሥራሕ ተግባር


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንግሆ ኣብዚ ኣብ ሮማን ቫቲካንን ነቲ ካብ ሓሙሽተ
ዓመት ዝግበር ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ምቕናዕ ንዘለዉ ብፁዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፐሩ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን መሪሕ ቃል ከምዝለገሱን ተመልኪቱ። RealAudioMP3

ቅዱስነቶም ንብፁዓን ጳጳሳት ፐሩ ዘስምዑዎ ቃለ ምእዳን ብምትሕሓዝ ነተን ኣዚየን ካብ ማእከል ዝረሓቓ ድኻታታ ቁሸታትን ግዳያት ዘደንዝዝ ኣቝጽልትን ቀመማትን (ድራግ) ዝኾኑ ወገናት ማኅበረ ሰብ ብምርዳእ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነት ኣርኣያን ናይ ፍቕሪ-ሥራሕ ተልእኮ ምስክራትን ኩኑ ብምባል ኣተሓሳሰቡ።







All the contents on this site are copyrighted ©.