2009-05-17 18:45:06

“ውግእን ተግባረ ሽበራን ይገታእ”! ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 (ተልኣቪቭ 15.05.2009)


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማል ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ናይ ቅድስቲ መሬት ሓዋርያዊ ምብጻሖም ዛዚሞም ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም፤ ኣብ ቦንጉሪዮን ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ተልኣቪቭ ናይ ክብሪ ስንብት ሥርዓት ከምዝተገብረሎም ተመልኪቱ። ቅዱስነቶም ቅድስት መሬት በጺሖም ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ ቅዱሳን ስፍራታት፤ ኣዚዩ ቀልቢ ሰብ ዝምስጥ ዲስኩራት ኣስሚዖም። “ውግእን ግብረ ሽበራን ይኣክል፤ ይቑም። መፈላለዪ መንደቕ ንዘይንርእየሉ እዋን ጸሎት ክገብር እየ” ቢሎም። ኣብ ቅዱስ መቓብር ድማ “ክርስቶስ ተንሢኡ ኢዩ” ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ይፍለጥ።

RealAudioMP3







All the contents on this site are copyrighted ©.