2009-05-17 19:03:04

ፍጻሜ ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ማእከላይ ምብራቅ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ ማእከላይ ምብራቅ ንሐደ ሰሙን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ንመንበረ ሓዋርያ ጴጥሮስ ከም ዝተመልሱ ይዝከር። RealAudioMP3

ቅድሚ ንቫቲካን ምምላሶም አብ ኢየሩሳሌም ምስ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዎፍሎስ ሣልሳይ ከም ዝተራኸቡ ክምልከት ከሎ፤ ድሕሪ’ቲ ርክብ አብ’ቲ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ዘዘኻክር ካተድራል ቅዱስ መቓብር ከም በጽሑ። ብድሕሪኡ ክአ አብ’ቲ አብ ኢየሩስሌም ዝርከብ ፓትርያርካዊት ቤተክርስትያን አርመን ከም ዝበጽሑን ምስ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ቶርኮም ሞኑክያን ከም ዝተራኸቡን ተፈሊጡ አሎ።

አብ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ክልተ ፓትርያርክታት ዘካየድዎ ርክብ ሐድነት ክርስትያን ዘተኮረ ርክብ ከም ዝነበረ ነቲ ርክብ ዝተኸታተሉ ማዕከናት ዜና አመልኪቶም። RealAudioMP3

እቲ ቅድሚ ሐደ ሺሕ ዓመታት ዝተኸሰተ ምፍንጫል ቤተክርስትያን ዘሕፍር ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ጠቂሶም፡ ንሐድነት ቤተክርስትያንን ዕርቅን ዝደፍእ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ አመልኪቶም ኩለን አብያተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሲጠንን ተደፊኤንን ንሐድነት ክርስትያን ከተኩራ ከም ዘተሐሳሰቡ ካብቲ ቦታ ዝመጹ ዜናታት ሐበሬታ ሂቦም።

ከምቲ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ዘተፈንሰሎም መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ’ዚ አብ’ዚ ዘሎ ክርስቶስ ዝሞተሉን ዝተንሥአሉን መቓብር ንኹለን አብያተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊኤን ዓሲሉ ፡ ተመሊሰን አብ እንኮ ክርስቶሳዊት ቤተ ክርስትያን ክርከባ ድላይ ክርስቶስ መሥራቲ ቤተክርስትያን ከም ዝኾነ ንናይ ግሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ንብፁዕ ወቅዱስ ተዎፍሎስ ሳልሳይን ንናይ ፓትርያርካዊት ቤተክርስትያን አርመን ንብፁዕ ወቅዱስ ቶርኮም ሞኑክያንን ከም ዝገለጹሎም ተፈሊጡ አሎ።

አብያተክርስትያን አብ ስብከት መልእኽቲ ድኅነት ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ዘካይዳሉ ግዜ ማዕረኡ ክአ አብ ሓድነት ቤተክርስትያን ከድህባ አብ ግብሪ ክሳዕ ዝትርጐም ክጽዕራ ከም ዝተማሕጸኑ ክአ ተነጊሩ።

አብያተክርስትያን ብሓባር ምስክር ፍቅሪ እግዚአብሔር ክኾና ከም ዝግባእ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ መስርሕ ሓድነት ክርስትያን ዘኪሮም፡ ቅድሚ ሎሚ አብ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም አብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ቁስጢንጢንያ ፓትርያርክ ዝነበሩ ብፁዕ ወቅዱስ አተናጎራ፤ ብድሕሪኡ አብ ኢየሩሳሌም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ዲዮዶሮስን ዝገበርዎ ርክብ፡ ዝሐለፈ ወርሒ ጥቅምቲ አብቲ አብ ቫቲካን ዝተኻየደ ሲኖድስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ናይ ቁስጢንጥንያ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሜዎስ ቀዳማይ ምስታፍ እዚ ኹሉ ንሓድነት ቤተክርስትያን ዝሕግዝ ከም ዝኾነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘዘኻኸሩ ይምልከት ።

ቀጺሎም እቲ አብ መንጎ ዝተፈላለያ አብያተክርስትያን ዝካየድ ዘተ ንባበ መለኮት፡ ቀጻሊ ኽኸውንን መሠረት ሓድነት ክርስትያን ከም ዝኾነን ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ።

እዚ አብ ኢየሩሳሌም ሓድነት ክርስትያን ብዝምልከት ብጸሎት ዝተሰነየ ርክብ፡ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ዘርሕቅ ንዝመጽእ ግዜ ተስፋ ዝህብ ከም ዝኾነ ክአ ከም ዘመልከቱ ተነጊሩ።

ናይቲ አብ ቅድስቲ መንበር ንኃልዮ ሓድነት ክርስትያን ዝቆመ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ቫልተር ካስፐር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኢየሩሳሌም ከም ዝተጓዕዙ ክዝከር ከሎ፡ አብ ዘተ ሓድነት ክርስትያን ሰነዳት ጥራሕ ዘይኮነ ከምዚ አብ ኢየሩሳሌም ዝተገብረ ገጽ ንገጽ ዝግበር ርክብ አዝዩ ጠቃሚ ከም ዝኾነ መግለጺ ሂቦም አለዉ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አብ ኢየሩሳሌም ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከም ዘለዋ ክዝከር ከሎ፡ ነተን አብኡ ዘለዋ ካቶሊካውያን ዘይኮና አብያተክርስትያን አብ ምስላጥ መንግሥታዊ ጉዳያት ከም ትተሓባበረን ተገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም አብ ናዝሬት ምስ ናይ ገሊላ መራሕቲ ሃይማኖት፤ ናይ እብራውያንን ምስልምናን ድሩዚን ከም ዝተራኸቡ ክዝከር ከሎ፡ ክርስትያን ምስ’ዘን ሃይማኖታት እዚአተን ሓቢሮም ንሕፃናት ካብ እኩይ ተግባራት ከድሕኑ ንሰላም ክሓንጹ ስንዱዋት ከም ዝኾኑ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከቱሎም ይምለከት።

ቀጺሎም ሰላም ጸጋ እግዚአብሔር ከም ዝኾነን ወዲ ሰብ ነዚ ጸጋ’ዚ ክዕቅብ ክጽዕር ከም ዝግባእን ቀዋሚ ሰላም ካብ ዕርቂ ከም ዝርከብን ከም ዘመልከቱ አብ’ቲ ርክብ ዝነበሩ መራኸቢ ብዙኀን አፍሊጦም።

ሓላዊ ቅድስቲ ሃገር አባ ፒየር ባቲስታ ፒዛባላ ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዘካየድዎ ናይ ሐደ ሰሙን ሓዋርያዊ ዑደት ርእይቶ ተሓቲቶም፡ ክምልሱ እንከለዉ፡ መጀመርያ ከመይ ኮን ክኸይድ ኢዩ ዝብል ዓይነት ስግኣት ከም ዝነበሮም ጠቂሶም፡ ብኽሉ መዳያት ክግምገም ከሎ ብጽቡቅ ተጀሚሩ ብጽቡቅ ከም ዝተፈጸመ አመልኪቶም።

አድላይነት ህልውና ክርስትና አብዚ ከባቢ’ዝን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ክህሉ ዝግብኦ ርክብን ነጻ ኰይኖም ብህድአት ዝሃብዎ ምኽርን መግለጽን ዲስኩርን አነ ብወገነይ አድኒቐዮም ዝበሉ አባ ፒየር ፒጻባላ አብ ሰብአዊ ክብርን ምሉእነት ሰብን አብ ምትእምማንን ዝተመሥረተ ቀዋምን ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ክመጽእ ብዙሕ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ብምምልካት፡ ከምዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደትን ትሕዝቶኡን ክትምልከት ከለኻ ክአ ሰላም ሕልሚ ዘይኮነስ ክግሃድ ከም ዝኽእል ትርዳእ ኢሎም።

አብ መወዳእታ ናይ ቫቲካን ውሃቢ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፡ ድሕሪ ፍጻሜ ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘመልክትዎ፡ ዑደተ ምትሕልላፍ መልእኽትን ድምጺ ካልኦት ጽን ኢልካ ምስማዕን ዑደት ሰላምን ከም ዝነበረ ጠቂሶም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መራሕቲ ሃይማኖታትን ምስ መራሕቲ ክርስትያንን ምስ ዝተፈላለየ ሥርዓተ አምልኾ ዝክተላ ካቶሊካውያን አብያተክርስታንን ምስ መራሕቲ መንግሥታትን ዘካይድዎ ዘተን ምልውዋጥ ሓሳብን ከም ካቶሊካዊ አብ ቅዱሳን አድባራትን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ቅዱሳን ቦታታትን ዝገብርዎ ንግደትን አዝዩ ዕዉትን ተስፋ ዝህብን ነይሩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.