2009-05-16 12:28:38

ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ክነብሩን ሃገሮም ኅዲጎም ከይወጹን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ኣብ ቤተ መቕደስ ብሥራተ ገብርኤል ተረኺቦም፣ ሥርዓት ጸሎተ ሠርክ ከምዝመርሑ ተገሊጹ። ኣብዚ ዝመርሕዎ ጸሎተ ሠርክ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ክነብሩን ሃገሮም ኅዲጎም ከይወጹን ናይ’ዚ ውሳኔ እዚ ኣብነት ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክስዕቡን ከምዘተሓሳሰቡ ተገሊጹ።

ናይ ሓጐስ ሚስጢር፦ እግዚኣብሔር ምሳና ሓዱሽን ቀዋምን ርክብ ዝፈጸመሉ ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ምዃኑን እዕሚቆም ከምዝተንተኑ ተሓቢሩ። “ማርያም ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ ቢላ፣ በቲ እነኹልካ ዝብል ብዘይ ቅድመ ኩነት ዝሃበቶ መልሲ፣ ታሪኽ ዘርኢ ሰብ ንኽልወጥ ኣብ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ዘለዋ ሱታፌ፣ ሎሚ እ RealAudioMP3 ውን ኣብዛ ቅድስቲ በዓቲ ብሥራተ ገብርኤል የቃልሕ ኣሎ” ኢሎም። ቅዱስ ኣቦና ነታ በዓቲ ብዓሚቝ መንፈሳውነት ብምብጻሕ “ቃል ሥጋ ዝኾነሉን ኣብ ሞንጐና ዝሓደረሉን ዘረጋገጽ ቅዱስ ሥፍራ ኢዩ” ቢሎምን ናይታ ከባቢ ማኅበረ ክርስትያን ከም ማርያም ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክነብርን ኣብኣ ኮይኑ ጸዋዕታ ክርስትናኡ ክነበር ሓደራ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ኣብ እሥራኤልን ኣብ ከባቢ ፍልስጥኤምን ዝነብር ማኅበረ ክስትያን ውኁዳን ከምዝኾኑ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና “በዚ ምኽንያት ድማ ድምጽኹም ብዙኅ ግምት ዘይወሃቦ ኮይኑ ክስመዓኩም ይኽእል። ምእንቲ’ዚ ዝተማልኤ ውሑስ ሕይወት ንምርካብ ናብ ስደት ተቕንዑ። ኩነታት ሕይወትኩም ታሪኽ ሕይወት ናይ’ታ ብዙሕ ሽግር ዘጋጠማ ክነሳ ኣብ ናዝሬት ክትተርፍ ዝመረጸት ማርያም የዘኻኽረና ንስኻቱም ድማ ናታ ኣብነት ተኸተሉ” ኢሎም።

“ከም ማርያም ንኽርስቶስ እሙናት ናይ ምዃንን ኣብ ገዛእ ሃገርኩም ናይ ምንባር ትብዓት ይሃልኹም፣ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ናይ ክርስቶስ ሰላምን ሥምረትን መሰኻኽር ኴይንኩም ኣብ ናይ ምድኅን ታሪኽ እግዚኣብሔር ዓቢ ዕጃም ክተበርክቱ ተጸዊዕኩም ኢኹም” ኢሎም። ቤተ ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ደቂ ሰባት ናይ ዘሎ ውህደት ምልክት ከምዝኾነት መታን ክትፍለጥ፣ ናይ ኣብያተ ክርስትያን ውኅደት ወሳኒ ኢዩ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

“ኣብ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ዘለኩም ኅብረት ናይ’ቲ ኣባኹም ዝነብር መጋበሪያ ናይ እግዚኣብሔር ሰላምን ኣብ ሞንጐ እቶም ብእምነት ደቂ ሓደ ኣቦ ኣብርሃም ምዃኖም ዝኣምኑ ዝተፈላለዩ ሕዝብቢ ሓቀይና ዕርቂ ክትሓንጹ ናይ ዘኽእለኩም መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ሓዱሽ ፍጥረት ማለት ምዃኑ ዘረድእ ዓሚቝ ኣሰተንትኖ ሂቦምን እዚ ድማ እግዚኣብሔር ምስ ፍጡር ሰብኣውነት ሰብ ዝኅበረሉን፣ ምሳና ቀዋምን ሓድሽን ርክብ ዘረጋገጸሉን ኢዩ” ከምዝበሉ ተገሊጹ።

መስተንክራውነት ምሥጢረ ሥጋዌ፣ እዕምሮና ናብቲ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ኃይልን ክእለትን እግዚኣብሔር ነቲ ነዓና ዘለዎ ፍቕርን ድላይን ምሳና ንዝምሥርቶ ኅብረትን ገዛእ ርእስና ክነርኅው የተባብዓና፣ እዚ ናይ ሓጐስ ምሥጢር’ዚ እግዚኣብሔር ታሪኽና ከምዝመርሕ ዘረጋግጸልና ተስፋ ማለት ኢዩ። ፍቕሩ ምስኡ ሓደ ከምእንኸውን ዝገብረናን ኣብ ምልኣተ ሕይወቱ ዘሳትፈናን ኢዩ” ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.