2009-05-14 14:09:35

መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና


ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ዕለት 12 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ. RealAudioMP3

ኣብ ሽንጭሮ ጐልጐል ዮሳፌጥ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ “ኢየሩሳሌም ኩላዊት ከተማ ዘተን ናይ ሓባር ምክብባርን እምበር ዓመጽን ኣድልዎን እትምስክርን እተስተምህርን ክትኸውን የብላን” ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት RealAudioMP3

“እዛ በቶም ሠለስተ ዓበይቲ ሃይማኖታት መንፈሳዊት ሃገር ተባሒሉ ዝእመነላን ከተማ ንዘመናት ዘሕለፈቶ ናይ ጽቡቕን ክፉእን እዋን ኣብ ዕድሎታታ ጽልዋ ዘለዎ ኮይኑ፣ በቲ ኣብ መንጎ ኣዕራብን ኣይሁድን ምክብባር ዝዓሰሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንክህሉ ዘሸገር እኳ ኮይኑ እንተተራእየ፣ ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰል ኩነት ናይዛ ከተማ ጸዋዕታ እንታይ ኢዩ ዝብል ሕቶ ድማ ብምቕራብ፣ እዛ መሬት ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ዓወት ዝጨራሓሉን ክነሳ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ተስፋ ኣብ ልዕሊ ተስፋ ቍርጸት ዓወት ንምዕታር እትቃለሰሉን፣ እታ ናይ እግዚኣብሔር ሕያብ ዝኾነት ሰላም ብኣነነትን ሕሉፍ ርእሰ ፈታውነትን ግጭታትን ምክፍፋልን ብናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝሓደጐ በሰላ ትደምን ትዕፈንን ኣላ” ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉሃድ ጥዋል “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ሽግር ማኅበረሰብ ዓለም ዘርእዮ ዘይተገዳስነት እነሆ ቅድስት መረት ካብ ሰብዓ ዓመት ንላዕሊ ኣብ ስእነት ሰላም ትርክብ ኣላ” ከምዝበሉ ክንገር እንከሎ። “ኢየሱሳሌም ኩላዊት ከተማን ኩላውነትን ምክብባርን ዘተን ናይ ካልእ ስቓይ ተኻፋልነትን እተስተምህርን ክትኸውን እናተገበኣ፣ እንተኾነ ግን ናይ ጃምላዊ ቅድመ ፍርድን ፍርሒ ዝስፋሕፋሓላን ኮይና ኣላ እዚ ድማ ብቕንዕናን ብውህደትን ሰላም ብምድላይን ክስነፍ ኣለዎ” ኣብኣ ንፍልልያትን ንምድላዋትን ንዓመጽን ንኢፍትሓውነትን ቦታ ክህሉ የብሉን” ከምዘብሉ ተገሊጾ።

ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ እትነብርዎ ዘለኹም ሃዋሁ ክፈልጥን በቲ ዘሎ ውጥረት ዘጓነፈኩም ስቓይን ናይ ስድራ ቤት ምፍልላይን ዝኣመሰሉ ጸገማት ክፈልጦን ክኢለ ኢየ፣ እግዚኣብሔር እዚ ዓይነት ሽግር ኣብ ዝኾነ ይኹም ሰብ ከይወርድ ክገብርን ካብቲ ዘለኩም መሪር ኩነት ከናግፈኩም እጽሊ፣ ናተይ ኣብ ማእከልኩም ምርኻበይ ብማንም ከምዘይትርስዑ ዝምስክር ኢዩ” ድሕሪ ምባል ኣስዒቦም ኣብ’ዚ ብምርኻብኩም ዘርኣኽምዎ ጽንዓትን ዝሃብኩምዎ ምስክርነትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቡርን ንብሩህ መጻኢ መገድን ኢዩ” ከምዝብሉ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.