2009-05-12 14:31:50

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዮርዳኖስ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብሰላም ፈጺሞም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዮርዳኖስ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ትማሊ ኣብ ኣማን ኣብ ዝርከብ ንግስቲ ኣሊያ መዕርፎ ነፈርቲ ብንጉሥ ዓብደላ ካልኣይ ብወግዒ ተፋኒዮም። ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ዮርዳኖስ ዘካየደዎ ምብጻሕ ብሓቂ ከምዝመሰጦም፣ ከምኡ’ውን ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ምክብባርን ምቅብባልን ኅብረ ሃይማኖት ጸኒዑ ክቕጽል ናይ ሓደራ ቓሎም ዳግም ኣቃሊሖም። ንጉሥ ዓብደላ ካልኣይ ብወገኖም ቅዱስ ኣቦና በዚ ዘካይደዎ ምብጻሕ ንዮርዳኖስ ከምዘኽበሩ ብምግላጽ ንቕዱስነቶም ኣመስጊኖም። ኣብ መንግ እስላምን ክርስትያንን ዝግበር ዘተ ሓዪሉ ክቕጽል ድማ ከምዝተሓሳሰቡ ተገሊጹ።

‘‘መላእ ሕዝቢ ዮርዳኖስን ነቶም ኣብ’ዛ ሃገር ዝነብሩን ኣብ ልበይ ዓቝረ ክኸይድ እየ፤ ናይ ሰላምን ናይ ብልጽግናን ሓጎስ ይሃሉኽም፤ ንዝተፈላለዩ ማኅበረሰባት ብኃባር ተኸባቢሮም ብሰላም ክንብር ዝኽእል መሠረት ሃይማኖታዊ ምክብባርን ምቅብባልን ኢዩ፣ ስለዚ እዚ ድማ ኵሎም ዜጋታት ናይ’ዛ ሃገር፤ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያን ብኃባር ነዚ መሠረት ክሃንጹ ክተባብዕ እፈቱ’’ ድሕሪ ምባል፣ ንጉሥ ዓብደላ ካልኣይ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ኃባር ዘተ ክድንፍዕ ዝገብርዎ ጻዕሪ ንኢዶም። እዚ ጻዕሪ’ዚ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ሃይማኖታትን ምክብብር ካብ ምርግጋጽ ሓሊፉ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እውን ሰላም ንኽረጋገጽ ዓቢ ግደ ዘለዎ ንርሑቕ ዝኣመተ ጻዕሪ እውን ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ቀጺሎም ኣብ ዮርዳኖስ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝድህስስ መደረ እንከስምዑ፣ ነቲ ኣብ ኣማን ኣብ ዝርከብ ኣል ሑሰየን ቢን ጣላል መስጊድ ዝፈጸመዎ ምብጻሕን ምስ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ዝገበርዎ ናይ ሓባር ዘተ ዘከሩ። ከማኡ ድማ ናይ ዮርዳኖስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝፈጸመቶ ተበግሶታት ኣዚዩ ከምዘሐጐሶምን፣ ኣብቲ ሬጂና ፓቺስ ማእከል ተረኺቦም ብዝተፈላለዩ ሽግር ንዝተጠቕዑ ተስፋ ከምዘበሰሩን፣ ኣብ ቤታኒያ ብዛዕባ እተን ዝሕነጻ ሓደስቲ ክልተ ካተድራላት ጠቒሶም፤ ‘እዞም ቅዱሳት ሥፍራታት እዚኦም ንመንፈሳውያን ነጋዶ ዓቢ መንፈሳዊ ደገፍ ከምዝኾኑን ድላይ እግዚኣብሔር ከሕድሩን ናይ’ዚ ከባቢ ሕዝቢ ተቐባሊ ጋሻ ኮይኑ ንገያሾ መንፈሳውነቶም ክብ ከብሉ ዘኽእሎም ዕድል እውን ክፈጥርሎም ሓደራ’’ ከምዘብሉ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ማዳባ መንበረ ጥበብ ተረኺቦም፣ ‘‘እዚ መንበረ ጥበብ እቶም ናይ ጽባሕ ማኅበራዊ ሕይወት ቅርጺ ዘትሕዙ ብቑዓት ዜጋታት ዝሕነጹሉ ክኸውን ኣለዎ’’ ቢሎም ዘተሓሳሰብዎ ዘረባ ዘኪሮም። ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ጊዮርጊስን ሰንበት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘‘ዝተፈላለያ ማኅበረሰብ ክርስትያንን ኣብያተ ክርስትያናትን ሓንትን ቅድስትን ቤተክርስትያን ኮይኖም ክተኣኻኸቡ፣ ኩሉ ክርስትያን ማሕበረሰብ እምነቱን ዝተቐበሎም ቅዱሳት ምሥጢራት ብቆራጽነትን ብሓላፍነትን እናነበረ ክርስትናኡ ክምስክር ሓደራ’’ ዝበልዎ ምሕጽንታ እንደገና ብምድጋም መደረኦም ዛዘሙ።

ንጉሥ ዓብደላ ካልኣይ ብወገኖም ር.ሊ.ጳ. ንዮርዳኖስ ብምብጻሖም ንዮርዳኖስን ሕዝባን ክብሪ ምዃኑ ገሊጾም፣ ሃገሮም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ስምምዕን ምክብባርን ምቅብባልን ክህሉ እትገብሮ ጻዕሪ ከምእትቕጽለሉን፣ እዚ ኣወንታዊ መንፈስ’ዚ ኣብ መንፈስ ሓድሽ ወለዶ ክሰርጽ ኣገዳስን ወሳንን ኢዩ፣ ኣመንቲ ናይ ሃይማኖቶም ሥነ ምግባር ዝኽተሉን ብኣኡ ተቐዪዶም ዝነብሩን ብምዃን ንኩሉ ዘራኽብን ዝተመሓየሸን ንኹሉ ዝበቅዕ ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ከምዝከኣል ዘለዎም ተስፋን እምነትን ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.