2009-05-12 10:31:29

መበል 12 ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቅድስቲ መሬት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፤ መበል ዓሠርተ ክልተ ሃገራት ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ቅድስት መሬት ትማሊ ዓርቢ ከምዝጀመሩ እንክምልከት ትማሊ ኣማን ርእሰ ከተማ ዮርዳኖስ ብሰላም ኣቲዮም።

ቅዱስነቶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣማን ኣብ ዝተገበረሎም ድሙቕ ናይ ኣቀባብላ ሥርዓት ነቲ ክሳዕ ዕለት ዓሠርተ ሓሙሽተ ግንቦት ብአ.ፈ. ክጸንሕ ዝኾነ መገሻኦም “ቅዱሳት ቦታታኣት ክርኢ ከም መንፈሳዊ ነጋዲ ወይ ድማ በጻሒ ናብ ዮርዳኖስ መጺኤ ብምባል” ኣፍሊጦም።

ጳጳሳዊ ኣይሮፕላን ኣብ ርእሰ ከተማ ዮርዳኖስ ኣማን ዝዓረፈት ብናይ ዮርዳኖስ ኣቆጻጽራ ሰዓት ክልተን ፈረቓን እንክኾን ንጉሥ ዓብደላ ካልኣይ ምስ ንግሥቲ ራኒያ ፓትሪያርካትን ኣቡናትን ዮርዳኖስን እስራኤልን ድሙቕ ኣቀባብላ ገበሩሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣማን ንዝተገብረሎም ኣቀባብላ ምስጋና ንምቕራብ ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ ዲስኩር ናብ ዮርዳኖስ ዝመጹሉ ምክንያት ኪገልጹ ከለዉ፦ “ኣነ ናብ ዮርዳኖስ ዝመጻእኩሉ ምኽንያት ኣብ ታሪኽ ቅ.መጽሓፍ ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎም ቅዱስ ሥፍራታት ንምንጋድን ንምስላምን ኢዩ በዚ መሠረት’ዚ ናብቲ ንዝኽሪ ሙሴ ቤተ ክርስትያን ተሃኒዱዎ ዘሎ እምባ ኔቦ ከምኡ ድማ ናብቲ ቅ. ዮሓንስ መጥምቅ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝሰበኸሉን ኣብ ውሕጅ ዮርዳኖስ ዘጥመቐሉን ብታኒያ ክነግድ ኢየ ብምባል ኣረጋገጹ። ከምኡ ድማ ቅዱስነቶም መንግስቲ ዮርዳኖስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ዝገብሮ ጻዕሪ “መንግስቲ ዮርዳኖስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዓለምን ሰላም ንምርግጋጽ፣ ሕድሕዳዊ ዘተ ሃይማኖታት ንምትብባዕ ንግጭት እስራኤልን ፍልስጥኤምን ቅኑዕ ፍታሕ ንምርካብ ስደተይኛታት ጐረበት ዕራቕ ኣብ ምሕብሓብ ከምኡ ድማ ስምዒት ሕሉፍ ኣክራርነት ብምግታእን ብምቍጽጻርን ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚት ኢዩ ዝስራዕ ብምባል ንኢዶም እዚ ኹሉ ፃዕሪ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝነብሩ ኩሎም ሓደ ነባሪ ሰላምን ሓቀይና ፍትሕን ዘምጽእ ፍረ ዘለዎ ኪኸውን ተመነዩ።

ንጉሥ ዮርዳኖስ ዓብደላ ካልኣይ ንቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ንምቕባል ኣብ ዝተገብረ ሥርዓት ዘስምዕዎ ዲስኩር ሰላምታ ናይ ቅዱስነቶም ኣብ ዮርዳኖስ ምርኻብ ታሪኻዊ ፍጻመ ከምዝኾነን ጠቒሶም … “ኣፍደገታት ርህው ኢዩ … ኣይትሰከፉ ዓድኹም ኮይኑ ይሰማዕኩም” ድሕሪ ምባል ኣብ ሞንጐ ክርስትያንን እስላምን ኣብ ዓለም ሕጂ ህጹጽ ኣድላይነት ዘለዎ ነገር ብሰላም ብሓደ ምንባርን ምስምማዕን ኢዩ። ሎሚ ነንሕድሕድና ክንከባበር ትሑዛት ኢና፣ እዚ ጊዜ እዚ ዓለም ለኻዊ ዘተ ምክያድ ዘድልየሉ ጊዜ ኢዩ። እቲ ንሕና ክነርእዮ ዘለና ስኒትን ከነካይዶ ዝግበኤና ዘተአን ኩሎም ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ዝተመስረቱ ኢዩም። መንግስቲ ዮርዳኖስ መብቲ ፍልስጤም ከም ሓደ መንግስቲ ኪፈልጥ ውሕስነት ጸጥታ መንግስቲ እስራኤል ኪረጋገጽ ከምኡ ድማ ቅዱስ ቦታታት እስራኤል ብሥርዓት ተፈሊጦም ኪኽበሩን ክህለዉን ይደሊ፣ ንተግባራውነቶም ድማ ተጊሁ ይሰርሕ ብምባል ቃል ሰላምታኦም ዛዘሙ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ዝተገበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ ዘቕረብዎ ቃለ ምስጋና ብምስፋሕፋሕ ንጉሥ ዮርዳኖስ ሃይማኖት እስላም ዝሰብኮ መንፈሳዊ ሓይሊ ወይ ድማ ጸጋ ሓቀይና ርዲኢት ክወሃቦ ካብ ዝጽዕሩ ሰባት ቅድሚት ዝስርዑ ከምዝኾኑን ኣዘኻኺሮም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጻዕርታት ዓመጽን ባእስን ዘይተርፉ ኢዮም ብምባል ንዝኣምኑ ከምዝሓፍሩ ብምባል ኣብ ሞንጐ ምዕራብን እስላማዊ ዓለምን ናይ ስልጣነ ውዕላትን ስምምዓትን ኪግበሩ ኣፍቂዶም ኢዮም።

እቲ ኣብ ዝስዕቡ መዓልታት ኣብቲ ብትውፊት ጥምቀት ጐ.ኢ.ክ. ከምዝተፈጸመሉ ዝፍለጥ ቦታ ናይ ክልተ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስትያናት እብነ - መሠረት ብምንባ ክርኽቦ ዝኾንኩ ታሓጓስ ናይዚ ስልጣነ መግለጺ ኢዩ። ካቶሊካዊ ማኅበረ ሰብ ዮርዳኖስ ናይ ኣምልኾ ሠፈራት ኪሃንጽ ምኽኣሉ እዚ ሃገር እዚ ንሃይማኖት ከምዘኽብር ዘመልክት ኢዩ። ብስሞምን ብስመይን እዚ ግልጽነት እዚ ዓቢይ ግምትን ክብርን ዝወሃቦ ከምዃኑ ኪገልጽ እደሊ። ብርግጽ ነጻነት ሃይማኖት መሠረታዊ መሰል ወዲ ሰብ ኢዮ፣ እዚ ንማንም ኪንፈጐን ክጠሓስን ዘይግባእ መሰልን ክብርን ወዲ ሰብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዝበለጸ ኪረጋገጽን ክሕሎን ዓቢይ ተስፋይን ጸሎተይን ኢዩ”።

በዚ ምኽንያት’ዚ ብወገነይ ንማሕበረሰብ እስላም ዓሚቝ ኣኽብሮት ኣሎኒ፣ እዚ ሓዋርያዊ መገሻይ ድማ ኣብ ሞንጐ እስላምን ክርስትያንን ጽቡቕ ርክብ ክተባባዕ ናብቲ ከሃሌ ኩሉን መሓርን ኣምላኽ ብዝገብሩዎ ጕዕዞ ብፍቕሪ ንምምዕባል ኪረዳድኡ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ሓልዮትን ከደንፍዕ ውዕዉዕ ተስፋ ኣሎኒ። ንዝገበርኩምለይ ኣቀባብላ እግዚኣብሔር የሃበለይ፣ ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ ድማ የቐንየለይ … እግዚኣብሔር ንንጉኅን ንንግሥትን ነዊሕ ዕድመ የሃቦም፣ ንዮርዳኖስ ድማ ብልጽግንና ሰላምን ሂቡ ይባርካ ብምባል ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታኦም ዛዘሙ።

ቅዱስነቶም ትማሊ ቀዳማይ ምብጻሕ ክፍጽሙ ዝደለዩ ኅብረተሰብ ንኣካለ ስንኩላን ዝገብሮ ሓገዝ ንምንኣድን ደገፎም ንምግላጽን ናብቲ ማእከል ረጂና ፓቺስ ንግስተ ሰላም ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ማእከል ህንጸትን እግሪ ምትካልን መንእሰያት ኣካለ ስንኩላን ኢዩ። እዚ ማእከል እዚ ንስንኩላን መንእሰያት ክርስትያንን እስላምን ተቐቢሉ ከምዝከናኸን ኪፍለጥ ከሎ ብ 2004 ዓ.ም.ፈ. ብመንበረ ፓትሪያርክ ላቲን ዘኢየሩሳሌም ዝተመስረተ ኢዩ።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣማን ብቐጥታ ዘምርሑ ናብዚ ማእከል ስንኩላን ማኅበረሰብ ረጂና ፓቺስ እንክኾን ኣብኡ ናይቲ ማእከል መሥራትን ህየንተ ላቲናዊ ፓትሪያርክን ብፁዕ ኣቡነ ሰሊም ሰየግ ምስ መንሰያትን ሓካይምን ኣብኡ ዘገልግላ ኣባላት ደናግል ማሕበር ኮምቦንን ሊሂቅ ፓትሪያርክ ሚኸኤል ሳባሕን ድሙቕ ኣቀባብላ ገበሩሎም። ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ፉኣድ ጣዋል ድማ ናይ እንቋዕ ደሓን መጹ ዲስኩር ኣስምዑ።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ናይ ረድኤት ማእከል ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም ነቲ ዝድነቕ ናይ ፍቕሪ ተግባር ዝፍጽሙ ሰብ ነፃ ድላይን ሠራሕተኛታትን ኣመስጊኖም ኣተባበዑ። ንኣካለ ስንኩላን መንእሰያትን ንገበርቲ ድማዖምን ድማ ብሓፂሩ ትርጉም ስቓይ ምስቲ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን መስቀል ክርስቶስን ዝተኣሳሰረ ከምዃኑ ተንቲኖም እምነትን ተስፋን ንሕይወት እግዚኣብሔር ከምዝሓስባን ከምዝርእያን ገይረና ክንግምቶ ከምዝሕግዙና ገሊጾም ስቓይ ዚያዳ ርኅሩኃትን ፍጹማትን ሰባት ከምዝገብረና ኣረዲኦም ብተስፋን ብእምነትን ኪጸንዑ ድማ ኣማሕጺኖም ድማ ንኹሎም ቡራኬ ብምሃብ ከኣ ተሰናበቱዎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብምቕጻል ሎሚ ቀዳም ዕለት ትሽዓተ ግንቦት እምባ ኔቦ በጺሖም ኣብኡ ንዝኽሪ ሙሴ ተሃኒጹ ኣብ ዘሎ ባዚሊካ ኣቲዮም ጸሎት ኣዕሪጐም ሣልሣይ ዲስኩር ድማ ኣስሚዖም እምባ ኔቦ ካብ ኣማን ሸነኽ ደቡብ ምዕራብ 25 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ እትርከብ ጎቦ እንክትኾን ብትውፊት ቅ.መጽሓፍ ሙሴ ምድረ ተስፋ ኣባኣ ደይቡ ብርሑቕ ከምዝረኣየን ኣብኣ’ውን ከምዝሞተን ይግለጽ። እቲ ንኽብሪ ሙሴ ተሃኒጹ ዘሎ ባዚሊካ ድማ ኣዚዩ ጥንታዊ ኮይኑ ብራብዓይ ዘመን ክርስትና ዝተሃንጸ ኢዩ፣ ኣብኡ እቶም ንቅዱስ ሥፍራታት ቅድስቲ መሬት ዝሕልዉ ፍራንቸስካውያን ገዳም ኣለዎም።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ባዚሊካ ነቢይ ሙሴ ምስ በጽሑ ሓለቓ ገዳም ንኡሳን ኣሕዋት ፍራንቸስካውያን ኣብ ጆሴ ሮድሪገዝ ካርበሎ ምስ ደቂ ማኅበሮም ድሙቕ ኣቀባብላ ገበሩሎም ቅዱስነቶም ኣብዚ ባዚሊካ እዚ ዘስምዕዎ ሣልሣይ ዲስኩር ወይ ድማ ስብከት ንኡሳን ኣሕዋት ፍራንቸስካውያን በቲ ካብቀድም ጥንቲ ጀሚሮም ቅዱስ ቅርሲ ቅ.መሬት ብምሕላውን ብምዕቃብን ዝግበሩዎ ኣገግልግሎት ብምድናቕን ብምንኣድን ኣመስገኑ። ንፍሉይ ጸጋን ታሕጓስን ዘሰነየ ኣምነትን ቅ. ፍራንቸስኮስ ድማ ዘከሩ።

ቅዱስነቶም ንንግደቶም ካብቲ ሙሴ ብዓይኒ ልቡና ቅ.መሬት ዘስተንተነላን ዝረኣየላን ቦታ ክጅምሩ ቅኑዕ ከምዝኾነ ጠቒሶም ካብቲ ቤተ መቅደስ ተቐልቂልካ እትርእዮን እተስተንትኖን ኩሉ ትንቢታዊ ራእይ ድኅነትን ምስጢር መደብ ኣምላክን ዝገልጽ ኢዩ ኢሎም ኣብ ትሕቲኦም ዝርኤ ስንጭሮ ሩባ ዮርዳኖስ ብምርኣይ ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ መንገዲ ኣምላኽ ክጸርግ ዝተመላለሰሉን ንጐ.ኢ.ክ. ዘጠመቐሉን ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ መንፈስ ቅዱስ ዝወረደሉን ቦታ ከዝኾነ ኣተሓሳሰቡ።

ንእምባ ሙሴን ንራእዩን ጠቂሶም ድማ ዓበይቲ ዝሓለፉ ግብርታት ኣምላኽ ምድናቕን ምምስጋንን ጥራይ ዘይኮነስ ንመጻኢ ጊዜ’ውን ብእምነትን ተስፋን ክንጥምት ከም ሙሴ ንሕና እውን ብኣስማትና ዝተጽዋዕና ስለዝኾና በብዕለቱ ካብ ኃጢኣትን ባርነትን ነፃ ንምውጻእ ክንጓዓዝ ከምዝግበኣና ብማየ ጥምቀት ካብ ባርነት ኃጢኣት ናብ ሓዲሽ ሕይወትን ተስፋን ከምዝሓለፍና ብምትሕስሳብ ኣረድኡ። ሙሴ ብርሑቕ ምድረ ተስፋ ርእዩ ምድራዊ ንግደቱ ከምዝፈጸመ ጠቒሶም… ንሕና’ውን ብታሪኽ ናይ’ቲ መወዳእታ ዘይብሉ ንግደት ሕዝቢ እግዚኣብሔር ክፍሊ ከምዝኾና ኣሰር ነቢያትን ሓዋርያትን ቅዱሳንን ተኸቲልና መሰኻኽር ወንጌሉን ፍቕሩን ክንከውን ከምዝግባእ ኣዘኻኸሩ።

ኣብ መጨረሻ ስብከቶም ጥንታዊ ትውፊት ንግደት ቅዱስ ቦታታት እቲ ዘይነጻጸል ኣብ ሞንጐ ቤተ ክርስትያንን ሕዝቢ ኣይሁድን ዘሎ ርክብ የዘኻኽረና ኢሎም። ኣበውን ነቢያትን ብምጥቃስ ኣብ መንጐ ክልተ ኪዳናት ዘሎ ሓድነት ኣረድኡ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ እምባ ነቦ ዑደቶም ናብታ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ቍሸት ማዳባ ቀጸሉ። ቅዱስነቶም ኣብ ማዳባ ናይ ላቲናዊ መንበረ ፓትሪያርክ ቀዳማይ ዩኒቨርሲቲ እብነ መሠረት ኣንቢሮም። እዚ መንበረ ጥበብ ክህነጽ ንዘፍቀዱ ንጉስ ዓብደላ ካልኣይን ንግስቲ ራኒያን ንራብዓይ ጊዜ ብዘስምዕዎ ዲስኩር ኣመስጊኖም። ኣገዳስነት ተቝዋማት ክርስትናን ትምህርትን ምትእስሳር እምነትን ፍልጠትን ብስፊሑ ገሊጾም። ካብ ማዳባ ዑደቶም ብምቕጻል ናብ መስጊድ ኣል ሑሰይን ቢን ታላል ኣማን በጽሑ። እዚ መስጊድ’ዚ ብፍቓድ ንጉሥ ዓብደላ ካልኣይ ተሓኒጹ ብ2006 ዓ.ም.ፈ. ዝተጸንበለ ኢዩ። ቅዱስነቶም ኣብ’ዚ ቤተ መዘከር መንግሥቲ ሓሽሚታን መስጊድ ኣል ሑሰየን ቢን ጣላልን ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ሓላፊ ቤተ መዘክርን፣ ኢማም ናይቲ መስጊድን ተቐቢሎምዎም። ካብኡ ምስ ወጹ ምስ ሓላፍቲ ሃይማኖት ኣስላምን ናይ ፖልቲካ ልኡካንን ሓለፍቲ ዩኒቨርሲቱ ዮርዳኖስ ኣማንን ተራኺቦም ሓምሻይ ዲስኩር ኣስሚዖም። ሃይማኖት ክርስትናን እስላምን ኣብ ዓለም ሰላምን ፍትሕን ርግኣትን ንምርግጋጽ ዘለዎም ሓላፍነት ተንቲኖም ኣብቲ ሥርዓት ንዝተረኽቡ ፓትሪያክ ባግዳድ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ኣማኑኤል ሣልሳይን ሰላምታ ኣቕሪቦም። ዮርዳኖስ ንስደተኛታት ዒራቕ እትህቦ ሓልዮት ኣመስጊኖም። ቅዱስነቶም ምስ ናይ ክብሪ ተኸተልቶም ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣዳራሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅ.መንበር ዝተገብረሎም ናይ ምሳሕ ድግስ ተሳቲፎም። ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ዑደቶም ብምቅጻል ናብ ግሪክ መልካይት ካቴድራል ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣማን ብምኻድ ምስ ውሉደ ክህነትን ደናግልን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ናይ ቤተ ክርስትያን ኣባላት ማኅበር ምንቅስቓሳትን ሥርዓታታ ጸሎተ ሠርክ መሪሖም ሻድሻይ ስብከቶም ኣስምዑ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ሓዋራያዊ ዑደት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅ.መሬት ክሳዕ ዝመጽእ ዓርቢ ዝቅጽል ከምዃኑ እናፍለጥና ቅዱስነቶም ዝፍጽምዎም ዑደታትን ዘቕረብዎም ዲስኩራትን በብጊዜኡ ብዝርዝር ክንገጽ ከምዝኾንና ነተሓሳስብ።








All the contents on this site are copyrighted ©.