2009-05-09 14:21:52

ጫድ


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሞንጎ ናይ ጫድ መንግስቲ ወተሃደራትን ደባይ ተዋጋእንት ኣብ ዝተኻየደ ውግእ 125 ኣባላት ደባይ ተዋጋእቲ ዝርከዎም 146 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶምን እዚ ኣብ ምስራቓዊ ክሊ ጫድ ኣብ ዝርከበ እም ዳም ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዝተኻየደ ውግእ እውን ምዃኑ ናይ ጫድ መንግሥቲ ምንጪ ዜና ይሕብር። ናይቶም ደባይ ተዋጋእቲ ወሃቢ ቃል ከምዝሓበርዎ 10 ሰባት ከምዝሞቱን ናይ መንግሥቲ ወተሃደራትን ንብረትን ከምዝተማረኸን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ናይቶም ደባይ ተዋጋእቲ ወሃቢ ቓል ሓበሬታ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ይዕወት ዘለዎ ዘመልክት ከምዝመስል ክንገር እንከሎ፣ ናይ መንግሥቲ ወተሃደራት እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ናይ ጫድ ርእሰ ከተማ ንምቁጽጻር ዝገብርዎ ፍተነ ንምፍሻል ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ይንገር።







All the contents on this site are copyrighted ©.