2009-05-09 14:15:29

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዮርዳኖስ ዝተገበረሎም ኣቐባብላ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ዮርዳንስ ርእሰ ከተማ ኣማን ምስ በጽሑ ዝተገበረሎም ውዕዉዕ ኣቀባብላ እንታይ ከምዝመስል ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ቤተ ክርስትያን ምኽትል ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ሳሎም ሳይግ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንክሕብሩ፣ እቲ ኣቀባብላ ናይ ብሓቂ ሓጐስ ዝተመልኦ ከምዝነበረን ከም ጋሻ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ብምዃኖም ድማ ልክዕ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ሕዝቢ ዮርዳኖስ ዝውክሉ ብምዃኑ ድማ ዓቢይ ጋሻ መላእ ሕዝቢ ዮርዳንሶ ኢዮም ምስ በሉ ቀጺሎም፣ ቅድስነቶም ኣብቲ ብንግስተ ሰላም ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዕቆቢ ኣካለ ስንኵላንን ክበጽሑን ዘረባ ከስምዑን ምስ መንእሰያት ክራኸቡን ምኽሮም ክልግሱን ኣብ ኣማን ዝርከብ መስጊድ ኣል ሑሲየን ቢን ታላል ክበጽሑን ምስ ናይ ዮርዳኖስ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ እውን ክራኸቡን ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን ኩሉ ዝኽተሎን ዝኣምኖን ሃይማኖትን ኣመለኻኽታ ፖለቲክን ብዘየገድስ ተኸባቢሩን ተቐባቢሉን ብሰላም ክነብር ሓላፍነት ዘነቓቕሕ ርክብ እውን ኢዩ ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ 1947 ክሳብ 1948 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ፍልስጥኤም ተኻይዱ ብዝነበረ ውግእ ተደረኺሞ ዝተመዛበሉ ፍልስጥኤማውያን ዮርዳኖስ ከምእተቐበለቶምን ኣብዚ እዋን’ዚ እውን ካብ ዒራቅ ዝተምዛበሉ ክሳብ ሳላሳ ሽሕ ክርስትያን ማሕበረሰብ ኢራቕ ዝርከብዎም ካብ 600 ክሳብ 700 ሺሕ ዝግመቱ ዒራቓውያን ኣብ ዮርዳኖስ ተዓቝይቦም ከምዝርከቡን ኣዘኻኺሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚኣቶም ክፍሊ ማሕበረሰብ ክበጽሑን ከጸናንዑን እውን ከምዝኾኑን፣ ብሓፈሻኡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝፍጽምዎ ርክባት ብዘስምዕዎ ስብከትን ብዝሕብዎ ኣስተምህሮን ምዕዳንን እምነትን ሕሊናን ክርስትያንን መላእ ሕዝቢ ዮርዳኖስን ከነቓቕሑ ኢዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.