2009-05-09 14:20:46

ስድራ ቤትን ግደ ስድራ ቤት ኣብ ምምሃር


““ስድራ ቤትን ስድራ ቤት ኣብ ምምሃር ዘለዎ ግደን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ስፐይን ናይ ባርቸሎና ሰበኻ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ኖልዎ ዝሓሊ ድርገት ኣብ ዝጸውዖ ኣኼባ ዝተረኽቡ ጳጳሳዊ ናይ ስደራ ቤት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ምክሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኤኒዮ ኣንቶኔሊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኩሉ ሓደ ኢዩ፣ ደረጃ ክብሪ ዋጋ ዝበሃል የልቦን ዝብልን ሕሉፍ ውልቃውነትን ተጠራጣርነትን ኣነነትን ክትሩ ርእሰ ኣምልኾነትን ኣብ ግኡዝ ነገር ጥራሕ ዘምልኽን ኣምልኾ ስነ ፍልጠትን ዝኣመሰሉ ባህልታት ዕንቃፍት ስድራ ቤትን ተልእኾኡን ከምዝኾኑን ሓቢሮም፣ መሰረትን ኣብነትን ስደራ ቤት እታ ቅድስቲ ስድራ ቤት ከምዝኾነትን ኣመልኪቶም፣ ስድራ ቤት ማሕበረ ሰብ ማለት ከምዘይኮነን፣ ናይ ገዛእ ርእሱ መሰልን ግቡእን ዘለዎን፣ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ኴይንካ ብናይ ምንባር ቅዱስ ውሳኔ ዝቐውምን ዝተቐደሰን ሚስጢር ኢዩ፣ ስለዚህ ካብቲ ንስድራ ቤት ዝጸናጸን ማለት ሓደ ኢዩ ዝብል ሓድሽ ስነ ምግባራዊ ባህሊ ክሕሎን፣ ወላዲ ንውሉዱ ኣብነት ክኸውንን ክምህርን ሓላፍነት ከምዘለዎን ብቕንዕናንን ብዝተን ብሓላፍነትን ማለት ወላዲ ከም ወላዲ ውላድ ከምውሉድ ዝንበረሉ ናይ ሓላፍነት ምድንጋር ዘይብሉ ቅዱስ ስፍራ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ስለዚህ እዚ ብሰብኣይን ሰበይትን ብናጻ ድላይን ኣብ ፍቕሪ ዝቖመን ብሚስጢረ ተኽሊል ዝጸንዕን ኢዩ፣ ተሰማሚዕና ኢና ተባሂሉ ከም ዝፍጠር ማሕበረሰብ ማለት ኣይኮነን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.