2009-05-07 13:25:09

ጻኣት ዘይሕጋውያን ስደተይናታት


140 ዘሕጋውያን ስደተይናታት ዝርከብወን ክልተ ናእሽቱ መራኽብ ትማሊ ኣብ ጥቃ ክሊ ባሕሪ ላምፔዱሳ ከምዝተራእያ እንክንገር እተን ክልተ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘሳፈራ መራኽብ ኣብ ክሊ ባሕሪ ማልታ ኢየን ኣብ ክሊ ባሕሪ ኢጣሊያ ኢየን ብዝብል ምስሕሓብ ሓገዝ ንምቕራብ ከምዘሸገረን ክንገር እንከሎ፣ ሓገዝ ንኽቐርበሎም እቶም ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ንኢጣሊያ ከምዝሓተቱ ናይ ማልታ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ውሃቢ ቃል ክሕብሩ እንከልዉ እቲ ዝቐረበ ናይ ሓገዝ ሕቶ ናይ ላምፔዱሳ ቤት ጽሕፈት ወደብ ሓቂ ኢዩ ቢሉ፣ እንተኾነ ግን እተን ክልተ መራኽብ ኣብ ክሊ ባሕሪ ማልታ ኢየን ዘለዋ ዝብል መግለጺ ከምዝሃበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ማልታን ኢጣሊያን ካልእ ተመሳሳሊ ሓድሽ ዲፕሎማሲያዊ ክርክር ከምዝኸፈታ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.