2009-05-07 13:54:18

ኤውሮጳን ዲሞክራስያዊ ነጻነትን መሠረት ክርስትና የደልዮም፡ ብፁዕ ካርዲናል ካፋራ፡


ባህላዊ ሓርነት ኤውሮጳ ንምዕቃብ፡ ኤውሮጳ ሠረተ-ክርስትና ክትምርኮስ አለዋ። ነዚ መግለጺ’ዚ ዝሃቡ ኣብ ጣልያን ናይ ከተማ ቦሎኛ ሊቀጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ካፋራ ኢዮም። ብፁዕነቶም ነዚ መግለጺ’ዚ ዝሃቡ ብፕሮፈሶር ማርቸሎ ፐራ ዝተጻሕፈ “Perché dobbiamo dirci cristiani” ‘ንምንታይ ኢና ክርስትያን ኢና ክንብል ዝግብኣና’ ዘርእስቱ መጽሐፍ ተኃቲሙ ንህዝቢ ኣብ ዝተዘርጋሓሉ ቦታ ከም ዝኾነ ዘኒት ኣገልግሎት ዜና አመልኪቱ።

ሞራላውን ሲቪላውን ውድቀት ኤውሮጳ ዝግታእ ኤውሮጳ እምነታ አብ ክርስቶስ እንተሓዲሳ ከም ዝኾነ ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ካፋራ ነቲ አብ ከተማ ቦሎኛ Veritatis Splendor ‘ነጸብራቅ ሐቂ’ ዝብሃል ተቅዋም ዝተኣከበ ህዝቢ ከም ዝኾነ ዘኒት ዝተበሃለ ኣገልግሎት ዜና አገንዚቡ።

እዚ ብፕሮፈሶር ማርቸሎ ፐራ ዝተጻሕፈ‘ንምንታይ ኢዩ ክርስትያን ኢና ክንብል ዝግበኣና’ ዝብል መጽሐፍ ሐደ ሕብረተሰብ ከመይ ኢሉ ካብ ውድቀት ክድሕን ከም ዝኽእል ከም ዘረድእ ብፅዕነቶም ከም ዝገለጹ እቲ አገልግሎት ዜና ዘኒት አመልኪቱ።

ኤውሮጳ ካብ ክርስትና ክትርሕቅ ክትብል ኣብ ገደል ክትአቱ ከም ትክእል ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ካፋራ ከም ዝገለጹ ኪምልከት ከሎ፡ ናይ’ታ መጽሓፍ ደራሲ ፕሮፈሶር ማርቸሎ ፐራ አብ መንጎ ዲሞክራስያዊ ነፃነትን ክርስትናን ታሪኻዊ ምትእስሳር ከም ዘሎ አብቲ መጽሐፍ አስፊሮሞ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ አሎ።

ብባህሊ ክርስትያን ኢና ማለት ጥራሕ እኹል ከም ዘይኮነ ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ካፋራ ጠቂሶም

ግርማን ክብርን ወዲ ሰብ ብግልፀተ ክርስትና ከም ዝተረኽበ ናይ ከተማ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ካርሎ ካፋራ ከም ዝገለጹ ተመልኪቱ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.