2009-05-07 13:21:30

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መልእኽቲ


ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቡቲ ትልሃጋለ ንናይዛ ሃገር ሓድሽ ርእሰ ብሄር ንኽኾኑ ዕለት 22 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዝተሓረዩን ዕለት 9 ግንቦት 2009 ናይ ርእሰ ብሄር መዝነቶም ብቃለ መሓላ ንዝርከቡ ጃኮብ ዙማ ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ደብቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሕይወት ባህሊ ክስፋሕፋሕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሓገር ልቢ ክሰርጽን ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ክተግሃን ነዚ ባህሊ እተነቓቕሕ ቤተ ክስትያን ኣብዛ ሃገር ክትስፋፋሕን ሓደራ ቢሎም፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓድሽ እዋን ከምዝተቐልቀለ ከስተውዕሉ ሓደራ ከምዘብሉ ተገሊጹ።

ደቡብ ኣፍርቃ ኣብ መትከል ዴሞክራሲ ክትቐውምን ድምጺ ሕዝብን ኣማንን ድምጺ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ናይ ዝርከቡን ጽን ዝበሃለላ ሃገር ክትኸውንን ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብዛ ሃገር ኣብ ሕሱም ድኽነትን ስቓይን ዝርከቡን ከማኡ ድማ ኣረገውቲ ኣባላት ማሕበረሰብን ዘኽታማትን ከይዝንግዑን ሓደራ ቢሎም፣ ሚዛን ምዕባለ ሓንቲ ሓገር ናይ ውሑዳትን ሓብታማትን ሓያላትን ውንጫፌ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነትን ስቓይን ንዝርከቡ ዝውሃብ ቆላሕታ ኢዩ፣ ስለዚ ኣብ መርሃ ግብሪ መንግስቲ እዞም ዝተጠቕሱ ክፍሊ ሕብረተሰብ ፍልዩ ቆላሕታን ቀዳማይ ደረጃን ክወሃቦም ይግባእ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ሓብቲ ሃገር ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ስእነት ስራሕ መፍትሕን ሓለዋ ጥዕና ከባብን ክውዕልን ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ውሑስ ክኸውን ኵሉ በቢ ዝተቐበሎ ሓላፍነት ክተግህ ይግባእ ቢሎም፣ ዝተፈላለያ ዘይ መንግስታውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝተፈላለዩ ሽግራት ንምፍታሕ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ መንግስቲ እውን ናቱ ተበግሶታት ገይሩ ክዋሳእን እውን ሓደራ ቢሎም፣ ቀጺሎም ሕይወት ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበርን ነዚ ዘተባብዕ ባህሊ ምስፍሕፋሕ መሰረት ሰላም ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ ናይ ኬፕ ታውን ሊቀ ጳጳስት ብፁዕ ኣቡነ ላውረንስ ሄንርይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝፍጸሙ ግፍዕታትን ፍጥረት ሰብ ንዝተፈላለዩ ክብሪ ዝሓኩ ተግባራት ዝድርኹ ተግባራትን ንግድ ዘርኢ ሰብ ክውገድን ቤተ ክርስትያን ኬፕ ታውንን ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኣበርቲዖም ከምዝዓዩ ገሊጾም፣ ኩሉ ነዚ ሰናይ ተግብር ጽዉዕ ኢዩ ከብዝበሉ ተሓቢሩ።

ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ዝቐረበ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ኣብ ዓለምና ልዕሊ 27 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ አደዳ ንግድ ዘርኢ ሰብ ከምዝኾነን፣ ኣብ ዓመት 12.3 ሚሊዮን በዚ ሓደጋ ከምዝጥቃዕን ብፁዕ ኣቡነ ላውረንስ ሄንሪ ሓቢሮም ነዚ ጸረ ዘርኢ ሰብ ተግባር ንምቅዋምን ናይዚ ሓደጋ ኣደዳ ንዝኾኑ ንምሕጋዝን ናይ ደቡብ ኣፍርቃ ናይ ብጹዓን ጳጳሳታ ቤት ምኽሪ ፍሉዩ ቤት ጽሕፈት ከምዘቖመን እውን ገሊጾም ኩሉ ነዚ ሓድሽ ስርዓት ባርነት ክቃወም ከምዝጸውዑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.