2009-05-07 13:17:07

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንምቕባል ኣብ ዮርዳኖስ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት

 


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ጽባሕ ዕለት 8 ግንቦት ክሳብ ዕለት 15 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዮርዳኖስን ቅድስቲ መሬትን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖ እንክንገር፣ ቅዱስነቶም ንምቕባል ኣብ ዮርዳኖስ ምእንጋድን ማዕጹ ምርሃውን ብዝብል መንፈስ ዝተመርሔ ፍሉይ ምቅርራብ ይግበር ከምዘሎ ተገሊጹ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝግበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ምስ ንጉስ ኣብዳላህ ካልኣይ ክራኸቡን ኣብ ኣማን ዝርከብ መስጊድ ኣል ሑሲየን ቢን ታላልን ንዝክረ ሙሴ ኣብ ጎቦ ኔቦ ዝተሰርሔ ባሲሊካን ቅዱስ ዮሓንስ መጥመቕ ንስሓ ዝኣወጀሉን ዘጠመቐሉን ተባሂሉ ዝግለጽ ቦታ እውን ክበጽሑ ምዃኖም ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት። ኣብዛ ንስኒት ኅብረ ሃይማኖት ከም ኣብነት እትጥቀስ ሃገር ቅዱስ ኣቦና ንምቕባል ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ላቲን ስርዓት ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ሳሊም ሳየግን ናይ ፔትራ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ግሪክ መለካዊት ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ያሰር አያሽን ኣብ ዮርዳኖስ ወኪል ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፍራንሲስ አሲሲ ቺሉካትን ትማኢ መንግሥቲ ኣብ ዘዳለዎሎም መውሃቢ ጋዜጣዊ መገልጺ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝሓበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ዮርዳኖስ ብዝሒ ማሕበረሰብ ክርስትያን ስለስቲ ካብ ሚእቲ ክኸውን እንከሎ ኣብ ናይ ሃገሮም ምዕባለን ሕንጸት ማሕበራዊ ሰላምን ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ይንገር። ኣባ ሪፋት ባደር ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ሕዝብን መንግስትን ቅድስነቶም ንምቕባልን ፍልዩ ምቅርራብ ይገብር ከምዘሎን፣ ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍ ብዙሕ ሕዝቢ ከምዝውሕዝ እውን ሓቢሮም፣ ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዮርዳኖስ ከምዝበጽሑን፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሕዝቢ ዮርዳኖስ ተቐባሊ ጋሻን ኣብነት ስኒት ኅብረ ሃይማኖታት ኢዩ እንክብሉ ንንጉሥ ኣብዳላሕ ካልኣይ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝምስክር ምቕርራባት ይርኤ ኣሎ እንክብሉ ዝሓብዎ ቃለ ምልልስ ፈጸሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.