2009-05-05 16:59:36

ተለግራም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጉባኤ ሪሚኒ፡


 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም አብ ሰሜናዊ ጣልያን አብ ከተማ ሪሚኒ መበል 32 ዓመታዊ ጉባኤ ዘካይዱ ዘለዉ አባላት ተሐድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ናይ ሐጎስ ተለግራም ከምዝልአኹሎም አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ።

ካብ መላእ ጣልያን ዝተዋጽኡ ልዕሊ ዕስራ ሺሕ አባላት ተሐድሶ ብመንፈስ ቅዱስ አብ ሪሚኒ ሃገራዊ ዓመታዊ አኬባ የካይዱ ከም ዘለዉ ይዝከር ።

በቲ አብ ቫቲካን ዘወጸ መግለጺ መሰረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጉባኤ ሪሚኒ ዝልአኽዎ ተለግራም፡

እዚ ብጸሎትን አስተንትኖን ዝተሰነየ ጉባኤ ተሐድሶ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ተሐድሶን ሕብረትን ምስቲ ዝተሰቅለን ዝተንሰኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘረጋግጽ ኢዩ።

እቲ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጉባኤ ሪሚኒ ዝልአኽዎ ተለግራም አተሐሒዙ አብቲ ብሐጎስ ምስክርነት ቅዱስ ወንጌል ደጊሙ ዘረጋግጽ ጉባኤኹም አነ ብመንፈስ ምሳኻትኩም አለኹ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ከም ዝኾነ ይምልከት።

ጉባኤ ሪሚኒ ብናይ ከተማ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስን ናይ ኢጣልያ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበርን ብብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮ ከም ዝተኸፍተ ይፍለጥ።

ብጹዕ ካርዲናል ባኛስኮ ዘስምዕዎ ዲስኩር፡ አባላት ተሐድሶ ብመንፈስ ቅዱስ አብ ህንጸተ ታሪኽን ሕብረተሰብን ዓቢ ጊደ ከም ዘለዎም ጠቂሶም ብጸሎትን አስተንትኖን ብሐይሊ መንፈስ ቅዱስ ጸልማት ዝነበረ ብርሀን ሕማቅ ዝነበረ ሰናይ ክኸውን ዘካይድዎ ተባዕ ምስክርነት ቅዱስ ወንጌል መሊሱ ክዕንብብ ከም ዝተመነዩ ተገሊጹ።

እዚ ሎሚ ሳልሳይ መዓልቲ ዝረገጸ ጉባኤ ሪሚኒ ንሎሚ ሒዝዎ ዘሎ አርእስቲ፡ ንስሐን ምሕረት እግዚአብሔርን ዕርቅን ሰላምን ዘተኮረ ከም ዝኾነ ነቲ ጉባኤ ዝከታተልዎ ዘለዉ፡ መራኸቢ ብዙኀን ሐበሬታ ሂቦም አለዉ።

አብዚ ጉባኤ”ዚ በሽሐት ዝቁጸሩ አባላት ቤተክህነትን ናይ መንግስቲ ሰበሥልጣናትን ይሳተፉ ከም ዘለዉ ኪምልከት ከሎ፡ ድሕሪ ቀትሪ ምእንቲ”ቶም አብ መላእ ዓለም ብሕማም ዝሳቀዩ ዘለዉ ስርዓተ ጸለሎት ከም ዝካየድን ምሸት ክአ ብናይ ማሕበር ውሉደ ክህነት ዋና ሐላፊ ብብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ሁመስ ዝምራሕ ስርዓተ ቅዳሴ ከም ዝዓርግን እቶም መራኸቢ ብዙኅን አረዲኦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.