2009-04-28 17:29:15

ውዳሴ ሕልና ፡ መጽሐፍ ካርዲናል ራትጺንገር፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሠርተ ሽድሽተ፣ ቅድሚ ንመንበረ ጴጥሮስ ምስያሞም ብፁዕ ካርዲናል ዮሴፍ ራትጺንገር ከለዉ፡ ካብ 1990 ክሳዕ 2000 ዓመተ ምሕረት ዘሎ ግዝያት ሕሊና ብዚምልከት ዝጸሐፍዎ ብሐንሳእ ተጠርኒፉ ውዳሴ - ሕሊና ዝተሰምየ ኣርእስቲ ሒዙ ተሐቲሙ ንንባብ ከም ዝበቅዔ ተገሊጹ።

እቲ መጽሐፍ 176 ገጻት ዝሐዘለ ኮይኑ፡ ብ13, 50 ዩውሮ ከም ዝሽየጥ ክአ ተመልኪቱ። እዚ ብዛዕባ ሕሊና ዝትርኽ መጽሐፍ’ዚ ዓበይቲ ፍልሳፍታትን ናይ ቤተክርስትን አቦታትን አስተንትኖ ከም ዘንጸባርቅ ክፍለጥ ከሎ፡ ሶቅራጠስ፡ ፕላቶነ፡ ቅዱስ አጎስጢኖስ ካርዲናል ጆን ኒውማን ከምዝርከብዎም ይፍለጥ።

ናይ ቅድም ካርዲናል ራትጺንገር ብ1991 ወርሒ መጋቢት አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ቤተክርስትያን ትምህርቲ ቅዱስ ማሕበር ሊቀመንበር እንከለዉ፡ ሕሊናን ሐቂን ዝተአሳሰሩ ከም ዝኾኑ ጠቂሶም ሐቂ ዘይብሉ ምስሉይ ሕሊና ጐዳኢ ከም ዝኾነ ከም ዝገለጹ ይዝከር።

ሕልንኡ ዝወቅሶ ሰብ ጌጋ ከም ዝገበረ ስለዝርዳእ ምስ ፈጣሪኡ ክዕረቅ ከም ዝኽእል ሕልና አልቦ ግን ሐደገይና ሳዕቤን ከም ዝህልዎ አብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካርዲናል ራትጺንገር ከለዉ ዝጸሐፍዎ ሰነድ ሰፊሩ ከም ዝርከብ ይዝከር።

አብዚ ሕጂ ተሐቲሙ ንንባብ በቂዑ ዘሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካርዲናል ከለዉ ዝጽሐፍዎ Elogio della coscienza ውዳሴ ሕልና ዝተሰየመ መጽሐፍ፡ ዘሎ ሐደ ሐረግ ከም ዘመልክቶ፡ ጌጋ ከም ዝገበረ ዘይርዳእ ወይ ክአ ክርዳእ ዘይደሊ ነቲ ጌጋ ብሕልንኡ ዝነጽግ ሰብ ብዓይኒ መንፈስ ክርኤ እንከሎ ዝሐመመ ሰብ ኢዩ።

መንፈሳዊ ሕማም ክአ ካብቲ ዝተገብረ ጌጋ ይዓብን ይኸፍእን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድሚ ንመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስያሞም አብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታታ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከም ዝሰርሑ ክዝከር ከሎ፡ አብ ዓውደ ንባበ መለኮት ብዙሕን ሰፊሕን ትምህርቲ ከምዝሀቡ ይዝከር።

ዝኾነ ኮይኑ እዚ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ብፅዕ ካርዲናል ራትጺንገር ከለዉ ዝጸሐፍዎ ውዳሴ ሕልና ዘርእስቱ መጽሐፍ ሕልና ዘይብሉ ሰብ ክብሀል ከሎ ድምጺ ሐቂ ዝዓብጥ ሰብ ከም ዝኾነ የመልክት።

ብፁዕ ካርዲናል ራትጺንገር አብቲ ንዓሰርተ ዓመታት ሕልና ብዚምልከት ዝሀብዎ ሰሚናራትን ዝመዝገብዎ ጽሑፋትን ነቶም እንግሊዛዊ ጠቢብ ነገረ-መለኮት ካርዲናል ጆን ኒውማን ጠቂሶም ኒውማን ምስ ስሚዒቶም ዝጋጮ ንዕኦም ዝመስሎምን ገዲፎም ንሕልንኦም ከም ዝተአዘዙ ይእምት።

ሐቀኛ ሕልና ዘለዎ ሰብ ንጣዕሚ ንሥልጣን ተቀባልነት ምእንቲ ክረክብ፡ ሐቂ ከም ዘይዓብጥ ብምምልካት፡ ህልውና ሕልና ዘይብሉ ሰብ አጉል ህልውና ከም ዝኾነ የረድእ።

መጽሐፍ ካርዲናል ዮሴፍ ራትጺንገር ንቅዱስ አጎስጢኖስ ጠቂሱ፡ ንእግዚአብሔር እነፍቅሮ ካብ ወጻኢ ብዝግበረልና ተጽዕኖ ከም ዘይኮነ ጠቂሱ ክአ፡ አብ ውሽጥና ዝሰረጸ ፍቅሪ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ሐደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምእመናን ትእዛዛት እግዚአብሔር ከኽብሩ ዝሐትዎም ንሶም ስለዝደለይዎ ዘይኮነስ፡ ብሕልናዊ ሥልጣን ተደሪኾም ዝህብዎ ትምህርትን መምርሕን ከም ዝኾነ ይገልጽ።

እቲ መጽሓፍ ክርስቶስ ንሰብ ስለዘፍቅሮ ብሞቱ ሓጢአቱ ደምሲሱ ሕልና ከም ዝሰቈረሉ፡ ጠቂሱ ሕልና አልቦ ሰብ አልቦ ከም ዝኾነ ወዲ ሰብ ነዚ ክግንዘብን ክርዳእን ከም ዘድሊ ክአ እቲ መጽሐፍ የብርህ።








All the contents on this site are copyrighted ©.