2009-04-25 15:47:02

ሰብኣዊ ቅልውላው አብ ስሪላንካ፡


ብሰንክ’ቲ ኣብ ስሪላንካ ኣብ መንጎ መንግሥትን ታሚል ታይገር ዝተባህለ ተቃዋሚ ጉጅለን፣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ’ታ ሃገር ቅድሚ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ዝተጀመረ ግጭት ይቅጽል ከም ዘሎን 50 ሺሕ ህዝቢ አብ መንጎ ተቃቂሩ ንዓቢ ሰብኣዊ ሽግር ከም ዝተቃልዔን ይንገር አሎ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ግጭት 14 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን ክልተ ካህናት ካሪታስ ስሪላንካ ብብርቱዕ ከም ዝቈሰሉን ካብ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

ኣብ ዝሐለፈ ሠለስተ ወርሒ ብሰንክ’ዚ ግጭት’ዚ ሽዱሽተ ሺሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰባት ሕይወቶም ከም ዝስአኑ እቲ ዜና ገሊጹ።

ቅድሚ ሠለስተ ወርሒ ሚእቲን ሰለስተን ሺሕ ህዝቢ ካብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ከም ዝተዘናበለ ተስዓን ሓሙሽተን ሺሕ ካብዚአቶም አብ ተንዳታት ይነብሩ ከም ዘለዉን ናይ መግብን ፈውስን ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ክአ ተፈሊጡ አሎ።

ባይቶ ኅቡራት ሃገራትን ማኅበር ቀይሕ መስቀልን ኩነታት ስሪላንካ ኣብ ዘተሐሳስብ ኩነታት ወዲቁ ከም ዘሎ ሃገራት ሓቆፍ ማኅበረ ሰብ ክረድእን ኣጽኒዖም ኣተሐሳሲቦም አለዉ።

ናይ ስሪላንካ ካሪታስ ዳይረክተር ኣባ ዳምየን ፈርናንዶ፡ እዚ ኣብ መንጎ መንግሥትን ታሚል ታይገርን ዚካየድ ዘሎ ኲናት ብሰላም ክግታእ ከም ዘለዎ ብምትሕስሳብ ኣብቲ ኲናት ዚካየደሉ ዘሎ ዞባን ኣከባብን ዘሎ ህዝቢ ኣብ ዓቢ ሽግር ወዲቁ ከም ዘሎ አፍሊጦም አለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.