2009-04-25 15:37:20

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ዓረብ ሊግ ዋና ጽሐፊ ተቀቢሎም አዘራሪቦም


ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል ዓሠርተ ሽዱሽተ ንናይ ዓረብ ሊግ ዋና ጸሓፊ ዓምር ሙሳ ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ናይ ቅድስት መንበር መግለጺ አፍሊጡ።

ትማሊ ቅድስቲ መንበርን ናይ ዓረብ ሊግን አብ ቫቲካን ናይ ስምምዕ መዘክር ከም ዝተፈራረሙ ይዝከር። እዚ መዘክር’ዚ ብወገን ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ሐላፊ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ ብወገን ናይ ሃገራት ኣዕራብ ማኅበር ከአ ብዋና ፀሓፊ ዓምር ሙሳ ከም ዝተፈረመ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሥርዓተ መዘክር ስምምዕ’ዚ ናይ ክልቲኡ ወገናት ላዕሎዎት ሰበሥልጣናት ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ኣብ ምስሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪልን አብ ማኅበር ሀገራት ዓረብ ተፈላጢ ቅድስቲ መንበርን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ማይክል ፊትጽ ጀራልድ አብቲ ሥርዓተ መዘክር ስምምዕ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ክፍለጥ ከሎ፤ ትርጉም ናይቲ ስምምዕ ክገልጹ ከለዉ፡ እዚ ስምምዕ’ዚ ናይ ሃገራት ኣዕራብ ዋና ጸሓፊ ዓምር ሙሳ ቫቲካን ምብጻሕን ምስ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ምርኻብን፡ ነቲ አብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገራት አዕራብን ዘሎ ርክብ ከደልድሎ ይኽእል ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ምስሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል አብ ማኅበር ሃገራት ዓረብ ማለት ዓረብ ሊግ ተፈላጢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ማይክል ፊትጽ ጀራልድ፡ እዚ ናይ ስምምዕ መዘክር’ዚ ክልቲኦም ወገናት ብፖሊቲካዉን በቲ ንቅድስቲ መንበር አዝዩ ዝግድሳ መዳይ ዓለም ለኻዊ ሰላምን ብኃባር ንክሰርሑ ይሕግዝ።

ባህላዊ ምትኅብባር ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ክተካይድ መንገዲ ዝኸፍት ስምምዕ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ብፁእ አቡነ ማይክል ፊትጽ ጀራልድ ከም አብነት ብግዜ ኲናት ዒራቅ ማኅበር ሃገራት ኣዕራብ ከተዓርቅ ከም ዝተንቀሳቀሰን ቅድስቲ መንበር ነቲ መስርሕ ዕርቂ ከም ዝደገፈቶን አዘኻኺሮም።

ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ብዙኃት ክርስትያን ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም ክአ ቅድስቲ መንበር ናታቶም ሰብአዉን ሃይማኖታዉ እምነቶም ክሕለወሎም ከም ትደሊ ሐበሬታ ሂቦም አለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.