2009-04-23 13:12:31

ሮቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በንዲክቶስ መበል 16


ክቡራን ኣኅዋትን ክቡራት ኣኃትን

ህልውና ቤተ ክርስትያን ብሰባትን ኣብ ሰባትን እዩ፣ ንቤተ ክርስትያን ክፈልጥ ዚደሊ ከምኡ እውን ንምሥጢረ ቤተ ክርስትያን ክርዳእ ዚደሊ፣ ነቶም ንመልእኽታን ንምሥጢራን ብሕይወት ዚመስከርዎን ዚምስክርዎን ሰባት ምርአይ የድሊ። ስለዚ ኸአ ኢየ ብዙሕ ጊዜ አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ሃይማኖት ዘቅርቦ ኣስተምህሮ መንነት ቤተ ክርስትያን ካብኦም ክንመሃሮ ብዛዕባ ዘኽእሉና ሰባት ዝዛረብ። ብሓዋርያት ጀሚርና ብአበው ቤተ ክርስትያን ኣቢልና በብቍሩብ ናብ ሻምናይ ክፍለዘመን፣ ዘመን ካርሎማኞ ወይ ቄርሎስ ዓቢይ በጺሕና። ሎሚ ብዛዕባ ኣምብሮዝዮስ ኣውትፐርት ክዛረበኩም እደሊ፣ እዚ ሰብ’ዚ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይነበሮ ዓቢይ ጸሓፊ ናይ’ቲ ክፍለ ዘመን ኢዩ ነይሩ፣ በዚ ዝተላዕለ ጽሑፋቱ ብጌጋ ናይ ካልኦት ህቡባት ደረስቲ ማለት ካብ ቅዱስ ኣምብሮዝዮስ በዓል ሚላኖ ክሳብ ቅዱስ ኢልደፎንሶ ሒዞም ተሓቲሞም። እዚ ኩነት እዚ ነቶም ኣብ ሞንተካሲኖ ዝርከቡ ደቂ ማሕበሮም ጉዳይ አበምኔት አምቦሮዝዮስ ኣውትፐርት ብዙሕ ከየተሓሳሰቦም አይተረፈን። ብዛዕባ ታሪኽ ሕይወቱ፣ ካብቶም ዓበይቲ ጽሑፋቱ ኣብቲ ብዛዕባ ራእዩ ለዮሓንስ ዘቅረቦ ቁሩብ ተጠቂሱ ንረክብ።

ንጽሑፋቱ ተጠንቂቅና እንተንቢብናዮ ሎሚ ንዓና እውን ክኸውን ብቅዓት ዘሎዎ ትምህርቲ ሥነ መልኮትን መንፈሳውነትን ዝሓዘ ክቡር መዝገብ አለዎ።

ኣብ ፕሮቨንዛ ዚበሃል ደቡባዊ ምብራቅ አውራጃ ፈረንሳይ ካብ ዓበይቲ ቤተ ሰብ ተወሊዱ። ድሒሩ ዝተጻሕፈ ታሪኽ ሕይወቱ ከምዝገልጾ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ አብ ቤተ መንግሥቲ ንጉሥ ፒፒኖ ሰሪሑ። ብዘይካ’ዚ ናይ’ቲ ዓቢ ገዛኢ ወይ ሓፀይ ናይ ሻምናይ ዘመን ዝኾነ ካርሎ ማኞ ናይ ግሊ መምህር እውን ነሩ። ከባቢ 753/54 ዓ.ም.ፈ አቢሉ ኣውትፐርት ንዓዲ ጣልያን መጺኡ፣ አብ መጀመርያ ናይ’ቲ ክፍለ ዘመን ብሠለስተ አኅዋት ደቂ በነቨነቶ ዝተመሥረተ ናይ ደቂ አቡነ ብሩኽ ገዳም ቅዱስ ቪንቸንሶ በጹሑ። ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ኣውትፐርት ጸዋዕታ ምንኩስና ተሰመዖ ነዚ ተቀቢሉ ከአ አብ’ቲ ገዳም ኣተወ። ብኡ ንብኡ ከአ ብቁዕ ኵስኰሳ ንምርካብ ንትምህርቲ አበው ብምክትታል አብ ዓውዲ ሥነ መለኮትን መንፈሳውነትን ዚአክል ትምህርቲ ቀሰመ። ብ761 መዓርገ ክህነት ተቐበል። ብ 4 ጥቅምቲ 777 ዓ.ም ከአ አበምኔት ናይ’ቲ ገዳም ተሾሙ። ኣብ’ዚ መረጻ እዚ ግን መንጎ ፈረንሳዊ ዚመበቆሎም መንኮሳትን ጣልያንውያን መንኮሳትን ምስሕሓብ ተፈጥረ። ኣውትፐርት ነዚ ምስሕሓብ እዚ ስለዝጸልኤ ብ778 ድሕሪ ሓደ ዓመት ብገዛእ ፍቃዱ ሥልጣን ክገድፍ ወሰነ። ብድሕሪኡ፣ ወላ እውን ካልእ እንተተመርጸ እቲ ሁከት አይዓረፈን። ክሳብ ናብ ካርሎማኞ ምክሳስ ተበጺሑ፣ ኣብ መጨረሻ ጉዳዩ ኣብ ጳጳሳዊ መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ ክርአ ተባሂሉ ኣውትፐርት ንምስክርነት ተጸዊዖም ንሮማ ክኸዱ ከለው ብ30 ጥሪ 784 አብ ጉዕዞ ከለው ዓሪፎም ምናልባት ተቐቲሎም ይኾኑ።

ኣምብሮዝዮስ ኣውትፐርት አብ ውሳጣዊ ሕይወት ገዳማት ከይተረፈ ዓቢ ምስሕሓብ ዝፈጠረ ሓያል ፖሎቲካዊ ወጥሪ አብ ዝነበረሉ ጊዜ እዮም ዝመንኰሱን አበምኔት ዝተመርጹን። በዚ ኸዓ አብ ጽሑፋቱ ዘተሓሳስቡ መቃልሓት ነንብብ፣ ንአብነት ነቲ አብ ጊዜኡ ዝነበረ ዘደንቅ ኣፍኣዊ ጽባቔ ናይቲ ገዳማትን ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ምስሉይነትን፣ ዘይምውቁን ዘይዝሑልን ናይ ምዃን ጠባይ ናይ’ቶም መነኮሳት አትሪሩ ይውግዝ። ብርግጽ ነታ ገዳሙ እውን አይንሕፍን፣ ንገዳሙ ብዝርኢ፦ መነኮሳን ናይቲ ገዳም ሕይወቶም ምስቶም ምእንቲ ቅድስናን ድሕነትን ሓዲስ ወለዶ ናይቲ ገዳም ሕይወቶም ዘወፈዩ መሥረትቲ ሕይወት ብምንጽጻር ክመርሑ ሐደራ ይብለ።

አበምኔት አምብሮዝዮስ ካብ ዝደረሶም ጽሑፋት ክልተ ዓበይቲ ጽሑፋት ክጥቀሱ ይከአል። እቲ ቀዳማይ ኣብ ሕይወት ምንኵስናን ምናኔን ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮን ዘለዎን “ኮንፍሊክቱስ ቪጽዮሩም አት ቪርቱቱም - ማለት - ኣብ መንጎ (ኣርእስቲ) ኃጢኣትን (መለኮታዊ) ኃይላትን ዘሎ ተጻራርነት” ዝብል ብ1473 ኣብ ኡትረኽት ብስም ጎርጎርዮስ ዓቢይ ድሕሪ ሓደ ዓመት ከአ ኣብ እስትራስበርግ ብስም ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝተሓትመ ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ዓቢይ ኣድናቆት ዘትረፈ ጽሑፍ እዩ። ኣውትፐርት በዚ ጽሑፍ እዚ ገቢሩ ብጭቡጥ መንገዲ ዕለት-ዕለት ከመይ ቢልካ ነቲ መንፈሳዊ ውግእ ክትገጥሞ ከምዚከአል ንመነኮሳቱ ንምምሃር ኢዩ ነይሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፋ ካልአይቲ መልእኽቲ ምዕራፍ 3.12 “ብዝተረፈ እቶም አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብጽድቂ ኪነብሩ ዝደልዩ ኵላቶም ስደት ኪረኽቦም ግዲ ኢዩ” ንዝብል ብምጥቃስ፣ እዚ ስደት እዚ አፍኣዊ ዘይኮነ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ውሽጡ ካብ ኃይልታት ናይ ክፍአት ንዝመጾ መጥቃዕቲ ክብድህ ከምዘለዎ ዚሕብር ኢዩ ይብል። ካብዞም ዝተራቀቁ ናይ ክፍአት ኃይልታት 24 ዚኾኑ ይቆጽር ንነፍሲወከፍ ናይ ክፍአት ኃይሊ ከተሸንፈሉ እትኽእል መንፈሳዊ ኃይሊ መጽሓፍ ቅዱስ እናጠቀሰ የመልክት።

ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ኣውትፐርት ስስዕትን ምናኔን ከም ክልተ ተጻረርቲ ኃይላት የቅርቦም፣ እዚ ምናኔ እዚ ንዕቀት ናይ ፍጡር ወይ ናይ ሥነ ጽባቄ ዘይኮነ፣ ነቲ ግጉይ አመለኻኽታን ብስስዕቲ ዝመጽእ ዑረት ኅልናን ኢዩ ዚገልጽ፣ ቅጥዒ ዘይብሉ ህርፋን ንኩሉ ክትውንን ይደፋፍእ ትርጉም ናይ ሕይወትን ህላዌን ከአ ንኩሉ ምውናን ዝብል ረቂቅ ፈተና የቅርብ፣ ኣውትፐርት ስስዕቲ ናይ ሃብታማትን ሰበ ሥልጣንን ናይ ጊዜኡ ብምጥቃስ ንመነኮሳቱ ብቃላት ቅዱስ ጳውሎስ መሠረት ናይ ኩሉ ክፍአት ስስዕቲ ምዃኑ እንኪገልጽ፦ “ካብ መሬት ዝተፈላለየ በላሕቲ ኣእሻዅ ካብ ዝተፈላለየ ሰራውር ይብቁል፣ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ግን ብልሒ ናይ ኩሉ ክፍአት ካብ ሓንቲ ሱር ይምንጩ እዛ ሱር ናይ ኩሉ ክፍአት ስስዕቲ እያ” ይብሎም።

ንሃብታማት ናይ ጊዜኡ እውን ደፊሩ ካብ ፍቅሪ ገንዘብን ስስዕትን ክርሕቁ፣ ነቲ ዚሃርፍዎ ገንዘብን ሥልጣንን ዘይኮነ ንገንዘብን ንሥልጣንን ተገዚእካ ንገንዘብን ንሥልጣንን ክትነብር እሞ ኸአ ነዚ ክተረጋግጽ ዚግበር ክፍአት ከምዝዅንን አግሂዱ ይምህሮምን ይመኽሮምን ነበረ።

ኣብ ኩነትና ምልስ ኢልና እንተተመልከትና እዚ ሎሚ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ለኸ ቁጠባዊ ቅልውላው ነዚ ሓቂ እዚ የግህደልና።

ካልእ ዓቢ ጽሑፍ ናይ ኣምብሮዝዮስ ኣውትፐርት ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ዝጸሓፎ ሓተታ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ ናይ ጊዜኡ ጽሑፋት ዘብልጾ ኣብ መባእታ ዚርከብ ምንጪ ጽሑፋቱ ናይ ምጥቃስን ኣብቲ ጊዜ እቲ ዝነበረ ቲኮንዮ ዝተባህለ ዝምህርሮ ዝነበረ ግጉይ ትምህርቲ ብዛዕባ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን፣ ማለት ቤተ ክርስትያን አካል ናይ ክርስቶስስ ኣካል ናይ ዲያብሎስን ክልተ ኣካላት ከምዘለዋ ዘስተምህር ትምህርቲ ብውሕሉል ኣገባብ ጌጋነቱ ከረድእ ምብቃዑን ኢዩ። እዚ ናይ ቲኮንዮ ትምህርቲ ብቅዱስ ኣጎስጢኖስ እውን ተነጺጉ ዝነበረ ኢዩ። ኣውትፐርት ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ቤተ ክርስትያን ኣካል ክርስቶስ ከምዝኾነትን ካባኡ ክትፍለ ከምዘይክአልን ይገልጽ፣ ብምሥጢረ ሥጋዌኡ ወትሩ ኣብኣ ከምዝውለድ ይገልጽ፣ ንሕና እውን አካል ክርስቶስ ኢና ይብል። ነዚ ዓቢ ምሥጢር በዚ ከምዚ ብቁሩብ ቃላት ይገልጾ “ሰውነት ክርስቶስ ኣብ ዝኾና፣ ክርስቶስ ኣባና ክውለድ ክመውትን ክትንሥእን ኣለዎ” ይብል። ነዚ ዓቢይ አብነት ትኾነና እኖና እግዚእትነ ማርያም ምዃና ይገልጽ፣ ነቲ ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ምዕራፍ 12.1 ዘሎ “ፀሓይ ዝለበሰት ሰበይቲ” ማርያም አምሳል ቤተ ክርስትያን ብምውሳድ “እታ ብፅዕትን ርሕርሕትን ድንግል ዕለት-ዕለት ሰውነት ክርስቶስ ዚሓንጹ ሓደስቲ አባላት ትወልድ፣ በዚ ከአ እኖና ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን አምሳል ቅድስት ድንግል ማርያም ብምዃን ምስ ሰውነት ክርስቶስ ትወሃሃድ” ይብል። ካብዚ ብምቅጻል ኣውፐርት ግደ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰባት አስፊሑ ይገልጽ፣ አብ ስብከታቱ ዓቢይ ክብሪ ይህባ።

ኣበምኔት አምብሮዝዮስ ኣውትፐርት ዝነበሮ ሃውህው ምልስ ቢልና እንተረአና ቤተ ክርስትያን መጋበሪ ፖሎቲካ ኮይና ብወገንነትን ብዓሌታውነትን ተጠቂዓ ንረኽባ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ሞንጎ እዚ ኩሉ ጸገማት እዚ ሓቀኛ ባህርይ ቤተ ክርስትያን ኣብ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣብ ቅዱሳንን ክረኽቦ ክኢሉ። በዚ ከአ ኣብ ጽንኩር ጊዜ ካቶሊካዊ ምዃን ክርስትያን ምዃን፣ ብቃል ኣምላኽ ምንባርን ንቃል ኣምላኽ ንምምስካር ኣብ ክውን ጊዜ ሕይወትካ ምውፋይን ከምዝከኣል ብተግባር ይምህረና። ምስቲ ኩሉ ፍልጠቱን ሊቅነቱን ንእግዚኣብሔር ከመይ ገቢርካ ብገርሀይና መንገዲ ከምትፈልጦ “ንእግዚኣብሔር ንምፍላጥ ፍቅሪ እዩ ዘድሊ” ኪብል ቅኑዕ መንገዲ ይህብረና። ነዚ መልእኽቲ እዚ ንስማዕ ኣብዚ ጊዜ ንምሥጢረ ቤተክርስያን ክንነብር ጸጋኡ ንኽህበና ንእግዚኣብሔር ንለምኖ።








All the contents on this site are copyrighted ©.