2009-04-21 13:12:53

ማልታ ዝነጸገቶም ስደተኛታ መንግሥቲ ጣልያን ተቀቢልዎም


ነቶም ብዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ድንገት ባሕሪ ብፒናር ትበሃል ናይ ጽዕነት መርከብ ዝደሓኑ 140 ስደተኛታት ሃገረ ማልታ ምቅባል ምስ አበየቶም፣ መንግሥቲ ጣልያን ቅድሚ ኩሉ ሕይወት ደቂ ሰባት ምድሓን፣ ብዝብል እምነት ትማሊ ኣብ ሲቺልያ ተቐቢልዎም። ነቶም ስደተኛታት ዘድሓነት መርከብ በቲ ዝተፈጥረ ወጥሪ ኣብ ማእከል ገማግም ባሕሪ ዓዲ ጣልያንን ሃገረ ማልታን ነርባዕተ መዓልቲ ድሕሪ ምጽባይ እያ ትማል አብ ማርሳ አምፐዶክለ ዘውረደቶም። ኮሚሽን ሕብረት አውሮጳ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምውፋይን ንዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ንምሕጋዝን ምስ ክልቲኤን ሃገራት ክሠርሕ ስንድው ምዃኑ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.