2009-04-21 12:12:31

መርሐ ግብር መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ግዳያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብሩጾ


ክፍሊ ዜና ቅድስቲ መንበር አብ ዝመጽእ ሶሙን ዕለት 28 ሚያዝያ 2009 ዓምፈ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በንዲክቶስ መበል ዓሠርተው ሽድሽተ፣ አብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝተሃስየ ዞባ አብሩጾ ነቶም ግዳያት ክበጽሑ ምዃኖም እንከመልክት መርሐ ግብር መደብ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝወጸ ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ መርሐ ግብር ቅዱስነቶም ሰዓት 9 ብሄሊኮፕቶር ናብታ ጨሪሻ ዝዓነወት ከተማ ኦና ብምብጻሕ ምስቶም ካብቲ ፍርስራስ ተፋሒሮም ዝወጹን ተፈናቂሎም ኣብ ተንዳታት ዝነብሩ ዘለው ሕዝቢ ተራኺቦም ምእንቲ እቶም በዚ ባህርያዊ ሓደጋ ዝሞቱ ክጽልዩ እዮም። ብድሕሪኡ ሰዓት 10 ናብ ከተማ ላአኲላ ብምኻድ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቸለስቲኖ አብ ኮለማጆ ዝተሓንጸት ባሲሊካ ብምኻድ ንዝኽሪ መረጻ ንመበረ ጴጥሮስ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቸለስቲኖ አክሚም ከንብሩ እዮም። ካብዚ ብምቅጻል ሾሞንተ ተመሃሮ ሞይቶም ዝተረኽቡሉ ገዛ ናይ ሓደ ተመሃራይ ብምብጻሕ ክጽልዩ እዮም፣ አባኡ ምስ ሓደ ጉጅለ ተመሃሮ ክራኸቡ እዮም። ከባቢ ሰዓት 10.45 አብ መደበር ፍላንዛ ብምኻድ መጀመርያ ምስ አመሓደርትን ቆሞሳትን ክራኸቡ ብድሕሪኡ ከባቢ ሰዓት 11 ኣብ ቅርዓት ናይቲ መደበር ንምእመናን ቃሎም ከስምዑ እዮም። ተፈሥሒ ኦ ንግሥተ ሰማይ ሃሌ ሉያ ደጊሞም ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ናብ መንበሮም ክምለሱ ምዃኖም ተመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.