2009-04-19 19:58:52

ቀዳም ሥዑር ናይ ትጽቢትን ተስፋን መዓልቲ


ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሞተ፣ ናይ ኣይሁድ ኣባል ቤት ምኽሪ ዝነበረ ዮሴፍ እተባህለ በዓለ አርማትያስ፣ ደፊሩ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ሬሳ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክወሃቦ ሓተተ። ጲላጦስ ከዓ ክርስቶስ ከምዝሞተ ብወተሃደራቱ ምስ ተረጋገጸ፣ ክህብዎ ኣዘዘ። ዮሴፍ ሬሳ ጐይታና ምስ ተቐበሎ፣ ብሕቡእ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተራኺቡ ምስ ዝነበረ ኒቆዲሞስ እተባህለ ሓደ ካብቶም ሊቃውንቲ አይሁድ፣ መግነዚ ዝኸውን ዓለባን፣ ንሬሳ መቕብኢ ዝኸውን ከርበን ዓልወ ዝተባህለ ሽቱን ሒዙ መጸ። ቀቢኦም ምስ ገነዝዎ ኸዓ፣ ዮሴፍ ንርእሱ ኢሉ አብ ከውሒ አውቂርዎ ኣብ ዝነበረ መቓብር ቐቢሮም፣ ዘበላሽዎ ከይርከብ ንምርግጋጽ ነቲ ኣፍ መቃብር ብዓቢይ እምኒ ዓጺዮምዎ ከዱ።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ዝደረሶ “አኰቴተ ቁርባን”፣ “ናይ ወዲሰብ ልቢ ክንደይ’ሞ ይተርር ኢዩ’፧ ይብል። ክርስቶስ አብ ዝሞተሉ ሠዓታት ዝተራእየ፣ በብዓይነቱ ዝኾኑ ተአምራት ንልቢ ዓበይቲ አይሁድ አየለሳለሶን። ምእንት’ዚ’ውን እዚአቶም ንጽባሒቱ ናብ ጲላጦስ ከይዶም፣ “እቲ መስሓቲ ብሕይወቱ እንከሎ፣ ንሓዋርያቱ አብ ሣልሳይ መዓልቲ ክትንሥእ ኢየ፣ ኢልዎም ነይሩ’ሞ፣ እዚኣቶም ብለይቲ መጺኦም ሬሳኡ ሰሪቖም ተንሢኡ ኢሎም፣ ንሰብ ከየተዓሽሽው መቓብሩ ብጽኑዕ ከምዝሕሎ ግበር” ንምባል ደፈሩ። ጲላጦስ ድማ ወተሃደራቱ ሂቡ፣ “ከም ድላይኩም ገርኩም ሓልው” በሎም።

አብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥርዓተ ቀብሪ እንካብ ሓዋርያቱ ሓደኳ ምንባሩ አይንገርን፣ ብዙሕ ዝፍክር ዝነበረ ጴጥሮስ’ኳ ስሙ አይለዓልን። እግዚእትነ ማርያም ከይተሐወሰት ስለዘይትተርፍ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከዓ አብ መጨረሻ ሰዓቱ እኖ ክትኮኖ ንዮሓንስ ሂቡዋ ስለዝነበረ፣ ዮሓንስ አብኡ ከምዝተረኽበ ዘየጠራጥር ኢዩ፣ ብዝተረፈ ዮሓንስ ኩሉ ምስ ተወደአ፣ ንማርያም ሒዝዋ ንገዝኡ ከምዝኸደ ባዕሉ ይገልጽ።

እቶም ክልተ ክቡራት ዝነበሩ ዓበይቲ አይሁድ፣ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ ነቲ ብኩሉ እተመነነ ክርስቶስ፣ ክብርና ክንሕሉ ሰብ እንታይ ይብለና፣ ብጾትናኸ ከመይ ክግምቱና ኢዮም ከይበሉ፣ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገኒዞም ተሸኪሞም ብኽብሪ ቐበርዎ።

ንሕና ክርስትያን እንበሃል ግን፣ ንረብሓ ሥጋና ክንብል፣ ንናይ ነፍስና ጒዳይ ኣሕሊፍና ንህብ። እዞም ዓበይቲ ሰባት ሬሳ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ንጹሕ ቦታ ኪቐብርዎን፣ ንኸይበላሾ ዘድሊ ጥንቓቐ ክገብሩሉን ተገደሱ። ንሕናኸ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቅዱስ ቁርባን እንክንቅበሎ ነጺሕናዶ ንቕበሎ ኢና፧ ከይነራኽሶኸ ንጥንቀቕዶ ኢና፧ እዚ ከተሓሳስበና ዝግባእ ነገር ኢዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ አብ ሣልሳይ መዓልቲ ክትንሥእ ምዃኑ አቐዲሙ ነጊሩ ስለዝነበረ፣ ኩሉ ናቱ ዝኾነ አብ ትጽቢትን አብ ተስፋን ይርከብ። ቀዳም ለይቲ ካህናት መርዓት ንእተፍቅሮ እናደለየት “ኦ አዋልድ ኢይሩሳሌም፣ ነቲ ዘፍቅሮ እንተደድ ርኢኽንኦ፣ ኣነ ብፍቕሩ ዝአክል ሓሚመ ከምዘሎኹ ክትነግራለይ አማሕጽነክን አሎኹ” ዝብል ኣብ “መኀልየ መኀልይ” ዝርከብ ድርሰት የንብቡ። አብ መምዕራፉ ኸዓ፣ “አመ ተንሥአ ወአንሥአ ኩሎ ሙታነ አፈቅሮ እስከ አመ ፈቀደ” ማለት “ምስ ተንሥኤን ንሙታን ምስ ኣተንሠኤን ክሳብ ዝደልዮ ከፍቅሮ ኢየ” ዝብል ይዝየም። እዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝብሎ፣ ቤተክርስትያን ንእተፍቅሮ መርዓዊኣ ተንሢኡ ክትርኢ ብሃረርታ ትጽበዮ ከምዘላ ዝገልጽ ኢዩ።

ምድሪ ምስ ረፈደ፣ ድሮ ናይ ትንሣኤ ባና ክረኤ ይጅምር። ዓርቢ ድምጸን ከዊለን ዝወዓላ ደወላት ቤተክርስትያን ድምጸን ከስምዓ ይጅምራ፣ ካህናትን መዘምራንን ከዓ፣ ሙሉእ ጾመ-አርባዓ ድምጹ ዘይተሰምዔ ከበሮ እናሃረሙን፣ “ገብረ ሰላመ በመስቀሉ ትንሣኤሁ ኣግሀደ” ማለት “ብመስቀሉ ሰላም ገበረ፣ ትንሣኤኡ ድማ ኣግሃደ” እናኣዜሙን ናይ ለምዕን ሰላምን ሓጐስን ምልክት ዝኾነ ሰቲ ንሕዝበ ክርስትያን እናዓደሉን ይዓውዱ። በዚ ንትንሣኤ ከነስተማቕሮ ንጅምር፣ ሙሉእ ነጸብራቑ ከአ ፍርቂ ለይቲ ንርእዮ።

ኣብዚ ናይ ትጽቢት ጊዜ ኅልናና እንምርምረሉ፣ መብጽዓና እነሐድሰሉ ናይ ጽሙዋ ጊዜ ረኺብና ምስታ ብፅንዓተ እምነት ትንሣኤኡ ዝተጸበየት እኖ ርኅራኄ፣ ንግሥተ ሰላምን ፍቅርን ዝኾነት እኖና እግዚእትነ ማርያም ንቛመት። ትጽቢትና ክንቅበል ዘይኮነስ ክንህብ፣ ክንግልገል ዘይኮነስ ክነገልግል፣ ካብ መንገዲ ጥፍኣትን ዕልወትን ክንወጽእን ክነውጽእን ዜብቅዓና ኅሊናና ዜብርሃልና ብርሃን ትንሣኤኡ ኬውርደልና “ትንሣኤከ ለእለ አመነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ” እናበልና ንለምኖ።








All the contents on this site are copyrighted ©.