2009-04-16 17:09:07

አብሩዞ 16-04-09


እቲ አብዚ ሒዝናዮ ዘለን ወርሒ መጀመርያ ብምንቅጥቃጥ መሬት ዝተጠቅዔ ማእከላይ ጣልያን አውራጃ አብሩጾ በመለክዒ ሪሽተር 4 ነጥቢ 1 መሬት ከም ዝተናወጸ ተመልኪቱ።

አብ ልዕሊ ሰብ ጉድአት ከም ዘየኸተለ ኪምልከት ከሎ፣ ነቶም በቲ ቀዳማይ ነውጺ መሬት ካብ አባይቶም ተዘናቢሎም አብ ተንዳታት ዝነብሩ ዘለዉ ሐምሳ ሺሕ ሰባት ግን፣ ከም ዘሰምበዶም ተገሊጹ።

ናይ መንግስቲ ጣልያን ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒስተር ሮበርቶ ማሮኒ ከም ዘመልከትዎ፣ ነቲ ብሽዱሽተ ሚያዝያ ዝተኸሰተ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝዓነወ አከባቢ ዳግም ንምህናጽ ዓሰርተ ክልት ሚልያርድ ዩውሮ ከም ዘድሊ አፍሊጦም አለዉ።

ነቲ ብምንዋጽ መሬት ዝዓነወ ዳግም ንምህናጽ ዝተሰልዔ ገንዘብ ምሕደራ እቲ አብዚ ሀገር ብማፍያ ዝፍለጽ ዓማጺ ጉጅለ ሰሊኹ ከይአቱ ስግአት ከም ዘሎ ክአ ተነጊሩ።

ብኻልእ ወገን ብህዝቢ ዝተዋጽኤ ገንዘብ 10 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝበጽሔን እቲ ረዲኤት ይቅጽል ከም ዘሎን ኪምልከት ከሎ፣ እቶም አብ ግዝያዊ ተንዳታት ዝነብሩ ዘለዉ 50 ሺሕ ሰባት ክሳዕ ዳግመ ህንጻ ዝውዳእ አብ ካልእ አውራጃታት ክጸንሑ ዝቅረበ ሐሳብ ከም ዘየተቀበልዎን ሕጂ ናይ አየር ጠባይ ጽቡቅ ስለ ዘሎ ድአምበር ብግዜ ከረምቲ አብቲ አከባቢ ብርቱዕ ቁሪ ከም ዘሎ ይምልከት።

ነተን ብምንዋጽ መሬት ዝፈራረሳ ከተማታት አብሩጾ ዳግም ንምህናጽ ብዙሕ ግዜ ከም ዘድሊ መሀንድሳት መግለጺ ሂቦም አለዉ።

በቲ ምንዋጽ መሬት አዝየን ዝተሀስያ ከተማታት ላኣኲላ ኦና ግራን ሳሶ ካምፖቶስቶ ከም ዝኾና ተነጊሩ። ናይተን አባይተን ዝዓነወ ከተማታት ሕጻናት አብ ጥቃ”ቲ ዝነብርሉ ግዝያዊ ተንዳታት አብያተ ትምህርቲ ተሰሪሕሎም ቤት ትምህርቲ ምኻድ ከም ዝጀመሩ ተገሊጹ። እቶም 50 ሺሕ ዝከውን ህዝቢ አዕቂቦም ዘለዉ ተንዳታት ምሉእ አገልግሎት ዝህቡ ከም ዝኾኑ ማሕበር ሐለዋ ቤርጌሳውያን አገንዚቡ አሎ።

ናይ ጂኦ-ፊዝክስ ምሁራን ከም ዘመልክትዎ ምንዋጽ መሬት አቀዲምካ ክትፈልጦ ከም ዘይክአል ጠቂሶም ንምንዋጽ መሬት ዝጻወሩ አባይቲ ክስርሑ ከም ዝኽእሉ መግለጺ ሂቦም።

ናይ መንግስቲ ጣልያን ናይ ሚኒስተራት ቤት መኽሪ አብ ከተማ ላ’ኲላ ተአኪቡ ብዛዕባ”ቲ ኩነታት ከም ዝዝተየ ኪምልከት ከሎ ንዳግመ ህንጻ ግዳያት ምንዋጽ መሬት ካብ ህዝቢ ፍሉይ ሐገዝ ከም ዘይሐትት አፍሊጡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.