2009-04-16 17:32:35

ሓገዝ ካቶሊካዊ ማኅበረሰብ ደቡብ አፍሪቃ ንሕዝቢ ዚምባብዌ


ካቶሊካዊ ማኅበረሰብ ደቡብ አፍሪቃ ነቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገራት ደቡባዊ አፍሪቃ ዘቅረቦ ሐሳብ ተኸቲሉ ነቲ አብ ዚምባወ ብጥሜት ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ 67 ሺሕ ዩውሮ ገንዘብ ከም ዘዋጽኤ ካብ ፕሪቶርያ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ።

ፊደስ አገልግሎት ዜና ከም ዘመልክቶ፣ ካቶሊካዊ ማኅበረሰብ ደቡብ አፍሪቃ አብ ገንዘብ ምውጻእ ጥራሕ ከይተሐጽረ ንህዝቢ ዚምባብወ ንምሕጋዝ አልባሳትን ፈውስን አኪቡ ናብታ ሀገር ሰዲዱ።

ናይ ደቡብ አፍሪቃ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዋና ጽሐፊ አባ ቪንሰንት ብረናን፣ ዝሀብዎ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ብዙሐት ዜጋታት ደቡብ አፍሪቃ ብወለንቶኦም ብዙሕ ትሕዝቶ ዘይብሎም አብ አብያተክርስትያናት መጺኦም ሐገዝ አበርኪቶም። ህዝቢ ዚምባብወ ብሕማቅ ፖሊትካዊ ምሕደራ ማኅበራዊን ፖሊቲካዊን ኤኮኖምያዊን አብ ዓቢ ሽግር ከም ዝወደቀት፣ ተተሐሒዙ ዝመጸ ዜና አረዲኡ።

እዚ ካቶሊካዊ ማኅበረሰብ ደቡባዊ አፍሪቃ ንዚምባብወ ዝለገሶ ሐገዝ፣ አብታ ሃገር ዝርከብ ካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስ ተቀቢሉ ከም ዝዕድሎ ተነጊሩ።

ገንዘብ ዚምባብወ ዋጋ ስለዘይብሉ ንሓደ ወርሒ ካብ አገልግሎት ወጻኢ ከም ዝኾነ ህዝቢ ዚምባብወ 97 ካብ ሚእቲ ስራሕ ከም ዘይብሉን ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.