2009-04-08 10:01:54

መልእኽቲ ተለግራም ር.ሊ.ጳጳሳት ናብ ሕዝቢ ኣብሩጾ


ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ብዝተኽስተ 6.3 ረክተር ዚዓቀኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ200 ሕይወቶም ስኢኖም በኣሽሓት ዚቍጸሩ ቈሲሎም ካብ 50 ሽሕ ንላዕሊ ኣብ ተንዳታት ተዓቁቦም ከምኡ እውን ብሚልዮናት ዚግምገም ብዙሕ ገዛውትን ንብረትን ከምዝዓነወ ገና እውን እቲ ሕይወት ኣድሕን ስርሒት ይቅጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነ ብስም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል ፲፮ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኣኲላ ብጹዕ ኣቡነ ዮሴፍ ሞሊናሪ ተለግራም ልኢኾም፣ ብፁዕ ካርዲናል ኣብቲ ተለግራሞም ‘ንመሬት ሰበኻኹም ናይ ዘደባለቀን ዘናወጸን ምንቅጥቃጥ መሬት ዘሕዝን ፍጻሜ ነቶም ነዚ መልእኽቲ እዚ ከተመሓላልፉ መዝነት ዚህቡኹም ዘለው ቅዱስ ኣቦና ልቢ ብሓዘን መሊእዎ ኣሎ፣ ኣብ ጓሂ ግዳይ ናይዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ዝኾኑ ፍቁራት ሕዝቢ ከምሳተፉ እውን ይገልጹ ኣለው፣ ምእንቲ ግዳያት ናይዚ ሓደጋ እዚ ብፍላይ ከአ ምእንቲ ሕጻናት እግዚእብሔር ነቶም ስድራ ቤታት ጽንዓት ክህቦም ውዕውዕ ልባዊ ጸሎት የዕርጉ ከምዘለው ከምኡ እውን ነቶም እቲ ጸገም ካብ ዚኽሰት ጀሚሩ ለይትን መዓልትን ንክረድኡ ዘይትሓለለ ጻዕሪ ዘካይዱ ዘለው ወለንተኛታትን ትካላትን ብምትብባዕ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ይልእኹ ኣለው’ ብምባል ቅዱስ ኣቦና ብመንፈስ ኣብ ጐኑ ናይቶም ግዳያት ብምዃን ተሳታፋይ ሥቃዮም ምዃኖም ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.