2018-07-13 10:49:00

ጸሎትን ምህለላን ምእንቲ ፍትሓዊ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን


“ሰብኣዊት ሕይወት ክብራ ንኪሕሎን፡ ንኽትምዕብልን ሰላም ኣድላዪ እዩ። ሰላም ኪበሃል ከሎ ውግእ ዘይብሉ ማላት ጥራሕ ኣይኮነን፣ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ሚዛን ኃይሊ ኣብ ምሕላው ዚድረት እውን ኣይኮነን። ናይ ሰባት ረብሓ ከይሓሎኻ፣ ኣብ መንጎ ሰባት ናጻ ዝኾነ ርኽክብ ከየማዕበልካ፣ ናይ ሰባትን ሕዝብታትን ክብረ ግርማ ከየኽበርካ፣ ኣብ መደብ ኅውነት ብጽኑዕ ከይተጸመድካ ኣብምድሪ ሰላም ተጨበጠ ማለት ዘበት እዩ። ሰላም ‘ናይ’ቲ ሥሩዕ ኣከያይዳ (ኣነባባር) ርግኣት እዩ’። ሰላም ናይ ፍትሕን ርትዕን ተግባርን ናይ ፍቕሪ ፍረን እዩ” (መዝገበ ሃይማኖት 2304)

 

ክቡራትን ክቡራንን ኣባላት ስድራ እግዚኣብሔር

ኣሥመራ፡ ፳፮ስነ ፳፻፲፡4 ሓምለ 2018

“ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ኅብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲላትኩም ይኹን” (2ቆሮ 13፡13)።

ኲላትና ከም እንፈልጦ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን እቲ ካብ ነዊኅ ጊዜ ክንጽበዮ ዝጸናሕና ደሃይ ሰላም የድምጽ ኣሎ።  እዚ ከኣ ኣዝዩ ዘሓጒስን ዘተባብዕን ደሃይ እዩ። ስለዚ ኣቐዲምና ንእግዚኣብሔርን ነቶም ገበርቲ ሰላም ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ዘለውን ብልቢ ከነመስግን ኣድላዪ እዩ። ምስቲ ምስጋና ግን ቀጻሊ ጸሎትን ምህለላን ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኣየና። በዚ ምኽንያት፡ ትማሊ፡ ዕለት 2 ሓምለ 2018 (፳፭ ሰነ ፳፻፲) ንሕና; ካቶሊካውያን ጳጳሳትኩም፡ በቆጻጽራ ግእዝ ካብ ባሕቲ ወርኂ ሓምለ፣ ብፈረንጂ ከኣ ካብ ሰንበት፡ ዕለት 8 ሓምለ፡ 2018 ጀሚርና፣ በቆጻጽራ ግእዝ ክሳዕ ሠላሳ ሓምለ፣ ብፈረንጂ ከኣ ክሳዕ ሰኑይ፡ ዕለት 6 ነሓሰ፡ 2018፡ ኣብ ኲላተን ኣብያተ ጸሎትናን ቊምሳናታትናን ገዳማትናን ሰበኻታትናን ፍሉይን ጽዑቕን ምህልላን ጸሎትን ክካየድ ከምዝመደብና ብወግዒ ነፍልጠኩም። ስለዚ፡ ብፍላይ ንክቡራን ቆሞሳትን፡ ኣሕሉቕ ገዳማትን፣ ነዚ ፍሉይ መደብ እዚ ብትግሃት ከተተግብሩ ሓደራ ንብል። ካብዚ ዝተባህለ ሠላሳ መዓልቲ ንድሓር ድማ፣ ምህልላ ፍልሰታ ክጅመር ስለዝኾነ ንጸሎትና ቀጻሊ ይገብሮ።

ሰላም ንምርካብ፣ ቅንዕና፡ ፍትሒ፡ ትዕግሥቲ፡ ሕድገት፡ ተዓጻጻፍነት፣ ልዕሊ ኲሉ ከኣ  ሓቀይና መንፈስ ዕርቅን ምሕረትን ክህልውና ኣለዎም። እዚ ከኣ እግዚኣብሔር እንተተሓወሶ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። እምበኣር

እቲ ጀሚሩ ዘሎ ጒዕዞ ሰላም ፍርያምን ተግባራውን፣ ብፍላይ ከኣ ፍትሓውን ንክልቲኡ ሕዝቢ ዝጠቅምን ምእንቲ ክኸውን፣ ኣብ ርእሲ ምህልላን ጸሎትን፣ ብፍላይ ኣብ ቀዳመ ሰንበት፣ ንፍትሕን ሰላምን ዕርቅን ምሕረትን ዝምለክት ሓጺር ኣስተንትኖታት ክግበር እውን ነተባብዕ። ነዚ ከኣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ሰነዳት ቤተክርስትያንን ተመርኲስና ክንገብሮ የድሊ። ኣብ መጨረስታ፡ ነቲ ዕለታዊ ምህልላን ጸሎትን ድማ ካብቲ ኣብ መደምደምታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝድገም፡ “ኦ ናይ ሰላም ንጉሥ ሰላማዊ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላምካ ሃበና”፣ ወይ ንእኡ ዝመስል ጸሎት ደጊምና ሠልስተ ጊዜ “ኦ ንግሥተ ሰላም! ለምንልና!” ብምባል ንዛዝሞ። ባዕሉ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፣ ብፁዓን እዮም”(ማቴ 5፡9)ከምዝበለና፣ ንሕና ከኣ ብጸሎትን ጾምን ምጽዋትን ገበርቲ ሰላም ክንከውን የብቅዓና። ነባርን ሓናጽን ሰላሙ ብዝቐልጠፈ የውርደልና። ኣሜን።

 

ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

     ሊቀ ጳጳሳት ዘበኤርትራ








All the contents on this site are copyrighted ©.