2018-07-13 17:44:00

ብብፅዕና ዝተዀለዔ ጒዕዞ ሕይወት! ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ንነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ቶራን


ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ብሰፊሒ ታሪኽ ሕይወቶም ዝገልጽናዮ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ንዓለም ምሉእ ዘደነቐ ሓዲስ ዜና ሃበሙስ ፓፓም እንክብሉ ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለምን ንመላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ዘበሰሩን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብምዃን ዘገልገሉን ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ቶራን ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድሜኦም ብሕማም መትኒ ንነዊሕ ዓመታት ብሕክምና ክድገፉ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ዕለት 5 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ገሊጽና ነርና፣ ሎሚ ኸኣ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ምሉእ ቤተክህነትን ቤተሰቦምን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሥርዓት ቀብሮም ተፈጺሙ፣

ነቲ ሥርዓተ ፍትሓትን ቅዳሴን ዝመርሑ ሓላፊ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ እንክኾኑ ናይ መጨረሻ ፍትሓት ግብኣተ መሬት ዝፈጸሙ ግን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እዮም፣  

ብፅዕ ካርዲናል ሶዳኖ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ንነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ቶራን ዘይርሳዕ ብትብዓት ንቅድስት ቤተክርስትያን ክርስቶስ ዘገልገለ ሓው እንክብሉ ምስ ገለጹ ሽሕ’ኳ ኣብ መወዳእታ ሕይወቶም ሃፍ ዘይብል ሕማም እንተወረዶም ንኩሉ ብትብዓት መኪቶሞ ኢሎም።

ብብፅዕና ወንጌል ዝተዀለዔ ጉዕዞ ሕይወት!

ብፅዕነቶም ኣብ ቃላት ወንጌል ተመርኲሶም ንጒዕዞ ህይወት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ቶራን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

 

ኣብ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሓደ ክርስትያን መንግድታት ብፅዕና ኣየኖት ከምዝኾና የዘኻኽረና፣ እዘን ቃላት ብፅዕና ክንበባ ክትሰምዕ እንከሎኻ ወትሩ ልብኻ ይትንክፋ፣ ብመንፈስ ድኻታት ብፁዓን እዮም፣ ትሑታት ብፁዓን እዮም፣ መሓርቲ ብፁዓን እዮም፣ ንጹሃት ልቢ ብፁዓን እዮም፣ ገበርቲ ሰላም ብፁዓን እዮም፣ ሕይወት ክቡር ሓውና ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ብቀረባ እንክንምልከቶ በዘን ቃላት ብጽዕና ዝተዀላዔ ኮይኑ ከም ናይ ብርሃን ከዋኽብቲ ኮይነን መሪሖንኦ ነዚ ከኣ ኣብቲ ነዊሕ ኣገልግሎት ብዓቢ መንፈስ ሓዋርያነት ዘወፍይዎ ምስክር ክኸውን በቂዔ፣

ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ኩሎም ሰብ ጽቡዕ ድላይ ዘተ ኣካዪዶም!

ብፁዕ ካርዲናል ሶዳኖ ናብ ሕይወት ነፍሰኄር ካርዲናል ቶራን ምልስ ይብሉ እሞ ከም ካህን ከም ኣቡን ከም ካርዲናል ዕብየቶም ከምዘርኣዩ ነዚ ከኣ ብዙሃት ከምዝገበረዎ ንቅድስት መንበርን ቤተክርስትያን ንምግልጋል ሕይወቶም እንከወፍዩ ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ዓቢ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሓደራ ዝበሎ ናይ ሓድነት ዘተ መሠረት ብምግባር ምስ ኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ኣብ ምዝታይ ኣሕሊፎሞ፣ ነዚ ከኣ ከምቲ ጋውድዩም ኤት ስፐስ ማለት ፍስሓን ተስፋን ዝብል ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝህብሮ ንኩሎም ኣሕዋት ክንከውን ዝተጸዋዕናን ንሰብኣውን መለኮታውን ጽዋዔና ከኣ ብዘይ ዓመጽን ምጥፍፋእን ንዓለምና ብሓቀኛ ሰላም ንክንሃንጽ ሓቢርና ንሥራሕ ንዝብል ብሕይወቶም መስኪሮሞ፣

ጸሎት ግብኣተ መሬት!

ኣብ ፍጻሜ ናይ’ቲ ሥርዓት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነተን ብሥርዓት ላቲን ጸሎተ ኣማዕጽኖ ማለት ኦ ጐይታ ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማሕጽን ዝብላን ጸሎተ ግብኣተ መሬትን ፈጺሞም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.