2018-07-13 17:28:00

በዓለ ጴጥሮሰ ጳውሎስ ሓምለ 5 2010 ዓ.ም. (7/12/2018)


ንባባት፡ 2ጢሜ 4፡6-18፥ (1ተሰሎ 4፡13-17)፥  2ጴጥ 1፡1-12፥  ግ.ሓ. 12፡1-11 (ግ.ሓ. 23፡10-17)፥   ማቴ 16፡13-19፥ (ዮሓ 21፡15-20)። ምስባክ፡ ወበኀቤየ ፈድፈደ ክቡራን አዕርክቲከ እግዚኦ፥ ፈድፋደ ጸንኡ እምቀደምቶሙ እኅልቆሙ ወእምኆፃ ይበዝኁ። መዝሙር 138፡17-18  

ቤተ ክርስትያን ሎሚ ናይ ክልተ ብርሃናተ ዓለም ተባሂሎም ናይ ዝፍለጡ ናይ ጴጥሮስን ጳውሎስን መዓልቲ ዘኪራ ተብዕል አላ። ክልቲኦም ብሓዋርያዊ ተልእክኦምን ትምህርቶም ተልእኮ ኢየሱስን መንግስቱን አብ ኩሉ ከብጽሑ ክሳብ መጨረሽታ ሕይወቶም ዘወፈዩ እሙናት አርድእቲ እዮም። ጴጥሮስ ካብ ቤተ እስራኤል አዕብይዋ ጳውሎስ ንስብከተ አብ ዓለም አምጽኡ መምህር ዓለም ኮይኑ። ክልቲኦም ብዝተፈላለየ መገዲ ንሓደ እምነት አብ ዓለም ከምዝበጽሕ ዝገበሩ እዮም። ክልቲኦም አብ መወዳእታ ሓደ ዓይነት ሞት ምእንቲ እምነቶም ተቐቢሎም በዚ ኽአ አብ ኩሉ ዓለም ብኽብሪ ተዘኪሮም ይውዕሉ። ነፍስወከፎም ክልተ ዝተፈላለየ ተራ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን አብ ዓለም ይውክሉ።

ክልቲኦም አብ ጊዜ ግዝአት ነሮ ዝተባህለ ሮማዊ ንጉሥ መጀመርያ ጴጥሮስ ስዒቡ ኸአ ጳውሎስ አብ መንጎ 64-67 ዓ.ም. ሕይወቶም ብሰማዕትነት ሓሊፎም። ሞቶም ብዙሓት አመንትን ቅዱሳንን ነታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ብኡ አቢሉ ኸአ ንኹልና አፍርዩ። ሞት ሰማዕታት  ከም ዝዛሪ ማይ ሕይወት ንቤተ ክርስትያን እዩ። ካብ ሰማዕትነት ዝዓቢ ምስክርነት እምነት የለን። ጴጥሮስን ጳውሎስን ነቲ ዝአመንዎ ብሞቶም ስለ ዝመስከሩ ዓበይቲ ቅዱስን ይገብሮም። ሎሚ ብዓሎም ክነብዕል ከሎና ፍሉይ መልእኽቱ ነቲ ንሶም ዝዘርእዎ ቃል አምላኽ ነቲ ዝአመንዎ ንሕና እውን ብዓቕምና አብ ኩሉ ክነብጽሕ ክነብሮ ክንዝክር እዩ። ዝክሪ ሰማዕት መልእክቱ ነቲ አነ ዝሓለፍክሉ ንስኻ/ንስኺ ቀጽልዎ ዝብል እዩ። ዓቢ ሕድሪ እዩ ስለዚ ንዝኽሪ አቦታትና ሰማዕታት ከይንዝንግዕ እዚ ዕለት ፍሉይ ተዘክሮ የሕድረልና።

ጴጥሮስ ምንጪ ቅሳነት እዩ በዚ ኸአ ቤተ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ አብቲ ንሱ ካብ መምህሩ ዝተዋህቦ ስለ እትምስረት ቅሳነት ዋሕስ ኮይንዋ ይርከብ። ኩሉ ትውፊታታ ብዘይ ሓደ ምቍራጽ ካብ መጀመርያ እቲ ዝተዋህባ ቅርጺ ከይቀየረት ክሳብ እዚ እዋን አላ ንድሕሪ ሕጂ እውን ነቲ ዝወረሰቶ ትውፊት እናዓቀበት ክትቅጽል እያ። እዚ ንቤተ ክርስትያን አብ ኩሉ ዓለምን አብ ኩሎም ዓለታት አህዛብ ብሓደ መንፈስን መገድን ንመልእኽቲ መምህራ ዝኾነ ክርስቶስ ከም እተብጽሕ ይገብራ። አብ ኩሉ ብባህልን ብጆግራፊካዊ አቀማምጣ ዝተፈላለየ ሕብረተ ብሓደ ዓይኒ ርአያ ሓደ ዓይነት እምነት ትሰብኽ።

ጴጥሮስ ሎሚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይውከል፥ ንሶም ምልክት ሓድነትን ቀጻልነትን ቤተ ክርስትያን እዮም። ብዘይብኦም ቤተ ክርስትያን ምተመቓቐለትን ምተፈላለየትን ከምቲ አብ ገሊኦም አብያተ ክርስትያናት ካብቲ ቀንዲ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ዝተፈልዩ ዝርአ ዘሎ ምምቕቓል ከምኡ ምገጠማ እንተ ኾነ ጴጥሮስ አብ ማእከላ ስለ ዘሎ ንሳ ኸአ አሰር ጴጥሮስ ስለ እትኽተል ዘላ ክትዓኑ ክትመቓቐል አይክአልን እዩ። ብዙሓት ካቶሊካውያን ዘይኮኑ ናይ ጴጥሮስ ማእከልነት አብ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ርእዮም አብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ዝርከበሉ መገዲ ንምርካብ ይጽዕሩ አለዉ። ጴጥሮስ እምብአር መሰረት ሓድነት ቤተ ክርስትያን እዩ። ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ንሓቂ ሒዛ አብ ክርስቶስ ክተብጽሓና አብ ጴጥሮስ ንመለስ ዝብል እምነት ብዙሓት ክርስትያን እዩ።

ጳውሎስ ብኻልእ መገዲ ነብያውን ተልእካውን ተራ ይውክል። እዚ እዩ ንቤተ ክርስያን አብ ኩሉ ከም እትበጽሕን እትፍለጥን ዝገብራ። ብናይ ጆግራፊካዊ አረአእያ ጥራሕ ዘይኮነ ቤተ ክርስትያን አብቲ ብኹሉ ዝተናዕቀን ብኹሉ ዋጋ ዝሰአነን ክፍሊ ሕብረተ ሰብ አትኩሮ ብምግባር ብሓዲስ አገባብን መገድን ንመልእኽቲ ክርስቶስ አብ ኩሉ ክተብጽሕ ትርከብ። እዚ መንፈስ ንቤተ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ እትሕደስ ይገብራ፥ ማለት ንመልእኽቲ ክርስቶስ ምስ ግዚኡ አዛሚዳ ሓዲስ ሕይወት ትህቦ ኩሉ ብዘመኑ ከም ዝሰምዖ ትገብሮ።

ቤተ ክርስትያን ምስ ናይ ዘመና አተሓሳስባን ርድኢትን ብምኻድ ምስቲ ዘሎ ለውጥታትን ርድኢታትን ብምኻድ ምስ ዓለማ ትስጉም። ዓለምና ሎሚ ከም ቅጽበት ትቕይርን ትጎይን አላ። ሓዲስ ተክነሎጂ ጥራሕ ዘይኮነ ሓዲስ ፍልጠትን ሓዲስ አተሓሳስባን አብ ቅድመና ንርእዮ አሎና። እዚ ብዝቐልጠፈ ጊዜ ዝርአ ዘሎ ለውጢ አብ ሕብረተሰብና ንእምነትና ብሓዲስ አገላልጻ ክነቕርብ ይግድደና እዩ።

ሓደ አስያዊ ተሎጋዊ ከምዝበሎ “ዓለም እያ አጀንዳ ቤተ ክርስያን እተቕርብ” ይብል። እዚ ክብል እንከሎ ቤተ ክርስትያን ንመገዲ ዓለም ክትሰማማዕ አልአ ማለት አይኮነን። እኳ ድአ ብአንጻሩ። እዚ አበሃህላ ናይ ቤተ ክርስትያን ስብከተ ወንጌል ምስቲ ሰባት ዘለውዎ መልሲ ዝህብ ክኸውን አለዎ። ንሓደ አረጊት አበሃህላን አገባብራን ከምቲ ቀድም ዝነብሮ ጥራሕ ገርካ ምቕራብ ሓጋዚ አይኮነን ብናይ ዘመኑ ቋንቋን አገባብን አተሓሳስባን ክተቕርቦ እንከሎኻ ፍረ አልኦ። ቤተ ክርስትያን ብኹሉ ግልጽቲ ኮይና ክትከይድ እንተ ኾነት፥ ኩሉ ጊዜ ሰማዕን ትርጉም ዘለዎን መልእኽቲ አብዛ ቅልጡፍ ለውጢ እተምጽእ ዘላ ዓለም ብዝቐልጠፈ ክተመሓላልፍ እንተ ኾይና ንርእሳ ብቐጻሊ ነቲ እተመሓላልፎ መልእኽቲ ምስቲ አብ ዘመና ዘሎ ኩነታት አወሃሂዳ እናአመሓላለፈት ክትሕደስ አልአ። ነዚ አብ ግብሪ አብ አቀዋውምአ፥ አብ ኩሉ ነቲ መልእኽቲ አብ እተመሓላልፎ፥ አብ ኩሉ ምስ ዓለም አብ እትዋስኦ ክተርእዮ አልአ።

ዓለም ነቲ ቤተ ክርስትያን እትብሎ አይትፈትዎን ትኸውን ግን ክትርድኦ አልአ ብአኡ ኸአ ክትለዓዓል አልአ።

ሓደስቲ ብድሆታት፡ እዚ ከም ቅጽበት እትናወጽ ዘላ ዓለም ንቤተ ክርስትያን ሓደስቲ ብድሆታትን ሕቶታትን አየናይ እዩ ሓቂ አየናይከ እዩ ሓቂ ዘይኮነ እናበለት ተቕርበላ አላ። አብ ሕብረተ ሰብ ሓደስቲ ብድሆታት ጸገማት፥ ሓደስት መልክዓት ድኽነት ናይ ዘይ ቅኑዕ ነገራት፥ ሓዲስ ምዝመዛ አብ ሕይወት ደቂ ሰብ፥ አብ መንጎ ደቂ ሰባት ፍልልያት፥ ነጻነት መሰል ርትዒ ከምኡ ሰላም ተሳኢኑ ይርአ አሎ። ክትርድኦን ክትቅበሎን ከቢድ ዝኾነ ነገራት ንርኢ አሎና ነዚ ትርጉሙን አገላልጽኡን ካብ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ኢና ክንረኽቦ እንኽእል ምኽንያቱ መራሒአ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ።

እምብአር ሓዲስ አገባብ ስብከትን ምስክርነት አብ ሓቅነት ወንጌል፥ ፍቕሪ፥ ርትዒ፥ ነጻነት፥ ሰላም ክተርኢ አልአ። ነዚ አብ ግብሪ ክነውዕል ነቢያዊ ተራ ቤተ ክርስትያን አብ መሰረታዊ ትውፊትን አብ ማሕበር ዝተመስረት ክህልወና አልኦ። አብዚ ክልተ ነገራት ክንጥንቀቐሎም ዘሎና አለዉ፡ አብ ዝሓለፈ ነገራት ጥራሕ አተኩሮ ከይንገብር ወይ እውን ንትውፊት አብ ጎኒ ሓዲግና አብ ሓዲስ ነገራት ጥራሕ መሰረት ዘይብሉ ከይነተኩር ክንጥንቀቅ አሎና።

ሓደ ካብቲ አብ ዘመና ንብዙሓት ጸገም ኮይኑ ዘሎ አብ ናይ ቀደም ጥራሕ አተኲርካ ንዝሓለፈን ንአረጊትን ነገራት ጥራሕ ከም ጽቡቕ ገርካ ምቕራብ እዚ አብ ጭው ዝበለ አኽራርነት የውርዶም፥ ብኻልእ ከአ ንዝሓለፈ ትውፊትን ባህልን ከም አረጊት ገርካ ርኢኻ አብ ሓዲስን ዘመናውን ነገራት ጥራሕ ምትኳር። እዚ አተሓሳስባ ኸአ ንቤተ ክርስትያን ይኹን ንሕብረተ ሰብ ጥቕሚ የብሉን ምኽንያቱ አብ መሰረት ዘይብሉ ሃተውተው ከምእትነብር ስለ ዝገብር።

አብ ናይ ሎሚ ንባባትና እንተ ርአና ህላዌ አምላኽ አብ ኩሉ ስራሕ ቤተ ክርስትያን ይገልጹልና። ጴጥሮስ እምነቱን ኢየሱስ እቲ መስሕ ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ከምዝኾነ ምስ ገለጸ ዓስቡ ንሱ እቲ መሰረት ናይ እታ ክርስቶስ ዝምስርታ ቤተ ክርስትያን ከምዝኸውን ተነጊሩ። ብጴጥሮስ አቢሉ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያኑ ዋሕስ ኩሉ ጊዜ ምስአ ዝነብር አረጋጊጹላ። ንጴጥሮስ ከአ ከም ወኪሉ ነቲ ንሱ ካብ አብኡ ዝተቐበሎ ስልጣን መፍትሕ መንግስተ ሰማይ ሂብዎ።

አብ ኩሉ ዘመናት ብዙሓት ንቤተ ክርስትያን ካብ ገጽ ምድሪ ሓኺኾም ከጥፍእዋ ፈቲኖም እንተኾነ እቲ ኢየሱስ አተስፍይዋ ዝነበረ አብ ግብሪ ምስአ ስለ ዘሎ እኳድአ እናወሰኸትን ደልደለትን ትኸይድ አላ። አብ ክርስቶስ ብምሉእ እምነት ጸኒዓ ነቲ ንሱ ዝደልዮ መምርሕታት ብእምነት ድሕሪ ፈጺማ እቲ መምርሒታት ከአ ብርእሱ ባህሪ አምላኽን ምስኡ ዝማሰል ባህሪ ሰብን ፈጺማ ስለ እትጉዓዝ አይክትጠፍእን እያ። ሓቅን ፍቕርን ክጠፍአ ወይ ክዕበጣ አይክአልን እዩ። ብርግጽ ክትሓልፎ ዘለዋ ፈተና ከምኡ ጽንኩር እዋን አልአ አብዚ እዋን ደም ሰማዕታት ስንቃ ገራ ነቲ ጸልማት ብዓይኒ ተስፋ ስለ እትርእዮ ንኹሉ ትሓልፎ። ናይ ዘመና ሕያው ምስክር ዘመነ ኮምኒዝም አብ ዓለም ንብዙሓት አመንቲ ክርስቶስ ዝወረደ ሕጂ እውን አብ ገለ ክፍሊ ዓለምና ዝርአ ዘሎ ንቤተ ክርስትያን ክተጽንት ዝግበር ፈተና ናይ እዋን ርአዩለይ ዘየድልዮ ምስክር እዩ፥ ዝመጸ ይምጻእ ዝጸንከረ ይጸንክር ኢየሱስ ምስ ቤተ ክርስትያኑ ስለ ዘሎ ዘምጽኦ ለውጢ የለን ሓንትስ ብእምነት ንጉዓዝ እምበር። እዚ እዩ ትምህርቲ ጴጥሮስን ጳውሎስን ካብ መምህሮም ኢየሱስ ዝወሰድዎ።

አብ ግ.ሓ. ከም ዘንበብናዮ ነቲ አምላኽ ጥራሕ ዝብሎ እንተ ገበርና አይክንጠፍእን ኢና ጴጥሮስ አብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተዎ ምኽንያት ንመልእኽቲ ክርስቶስን ብዛዕባ መንግስቲን ስለ ዝሰበኸ እዩ። ጳውሎስ እውን አብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ዝበሎ “ቃል አምላኽ ክእሰር አይክአልን እዩ”። ጴጥሮስ ምስ ተፈትሐ አብቲ ዝተላእኮ ማለት ናይ እቲ ዘፍቅሮ መምህሩ መልእኽቲ ክሰብኽ ንርእዮ። ተአምራታዊ ምፍታሑ ካብ ቤት ማእሰርቲ ነቲ ኢየሱስ ንቤተ ክርስትያኑ ዘተስፈዋ ኩሉ ጊዜ አብ ዝኾነ እዋን ምስአ ከምዘሎ ዝሕብር እዩ። እቲ ጴጥሮስ ዝተአስረሉ እዋን እውን አብ ጊዜ ብዓል ፋሲካ አይሁድ አብ ዝብዓለሉ እዋን ምኻኑ ምስቲ ኢየሱስ ንርእሱ አብ ፋሲካ አይሁድ ምትሓዙን ምስቓይን ዝመሳሰል ስለ ዝኾነ ፍሉይ ትእምርቲ አልኦ።

ጳውሎስ አብ ጢሜቴዎስ አብ ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ ንባብና መጀመርያን ንአምላኽ እናአመስገነ ከመይ ኢሉ ሕይወቱ ከም ዘሕለፎ ይነግር። “ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ እየ፥ጕያይ ወዲአ እየ ነታ እምነት እውን ሓልየያ እየ። ደጊም እቲ ቕኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጎይታ በታ መዓልቲ እቲአ ዚህበኒ አኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ” (2ጢሜ 4፡78) ይብል። ነፍሲ ወከፍና ሕይወትና አብ ምውዳእ አብ ዝበጽሓሉ ጊዜ ነዘን ቃላት ክንደግመን ንጽዓር። ጳውሎስ አብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወቱን ስብከቱን አብቲ ጽንኩር እዋን ስደትን ውርደትን ማእሰርትን እቲ ሕያዋይ አምላኽ ከመይ ገሩ ከምዝሕልዎ ከምዝነበር እውን ይገልጽ እዩ፥ “እቲ ወንጌል ብምልአት ብአይ ምእንቲ ክስበኽ ኵሎም አሕዛብውን ምእንቲ ክሰምዕዎ ግና ጎይታ ምሳይ ኮይኑ አበርቲዑኒ ካብ አንብሳ ውን አናጊፉኒ” (2ጢሜ 4፡17) ይብል። ንሱ አምላኽ ብቐጻሊ ከምዝሕልዎ ይፈልጥ እዩ ግን መዓልቱ መጸዋዕታኡ ምስ አኸለ ክሓልፍ ስንድው ከምዝኾነ ይፈልጥ እዩ።

ጳውሎስ አብ ክርስቶስ ዘለዎ ፍቕሪ ክንርኢ ከሎና ብሓቂ ዓሚቕ ከምዝነበረ ንርኢ አብ ገለ እዋን አብ መንጎ ብሕይወትካ ምንባር እሞ አብ መንግስቲ ክርስቶስ ምዕያይን ከምኡ ምማት እሞ ምስቲ ዘፍቅሮ ጎይትኡ ኢየሱስ ምንባር ዝብል ነየናይ ከምዝመርጽ ይጽግሞ። አብ ሓደ እዋን ከምዝገለጾ “ንአይ ሕይወት አብ ኢየሱስ እዩ ምማት ከአ ዓወት እዩ” ይብል። አብ ክልቲኡ ምስቲ ዘፍቅሮ ጎይትኡ እዩ ዘሎ። ብሕይወት እንተሎን እንተ ሞተን ፍልልይ አይርእየሉን እዚ እዩ ቅዱስ ሕይወት ዝብሃል ብሕይወት እንከሎኻ ምስ ኢየሱስ ሓድነት ገርካ ምንባር። ጴጥሮስን ጳውሎስን ካባና ዝፈልዮም ንሶም ነቲ ዝአመንዎ ይነብርዎ ነሮም።

እዚ ብዓል እምብአር ካብ ጥንቲ ዝነበር ጌና እውን ከም ሓዲስ ኮይኑ ዝብዓል እዩ። ነቲ ቅድሚ 2000 ዓመት ዝነብረ ትውፊት ሎሚ እውን ሓዲስና ንንበሮ። አምላኽና ሎምን ትማልን ሓደ እዩ ነቲ ንሱ ዝደልዮ መልእኽቲ ክነብጽሕ ሎሚ እውን እንተ ተበገስና አባና እቲ ዝድለ ለውጢ ክገብር ከምኡ እቲ መልእኽቱ አብ ሕይወት ሰባት ለውጢ ከምጽእ ከም ዝሕግዘና ርግጽ እዩ። ንኹሎም ጽምአት አምላኽ ዘለዎም ከም ጴጥሮስን ጳውሎስን ኮና ቃል አምላኽ ክንሰብኮም ኩሉ አምላኽ ዝደልዮ ክነብጽሕ ምሉእ እምነት ገርና ንቀበል።

ብሓባር ኮና ምእንቲ እታ አብ ኩሉ ዓለም እትርከብ ቤተክርስትያን ንጸሊ፥ ምእንቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማእከል ሓድነት ናይ ኩሎም ክርስትያን አብዘልዩ አልዮም ንጸሊ፥ ምእንቲ እቶም አብ ቀንዲ ትውፊት ብእምነት ጸኒዖም ዝነብሩ እሞ ሓዲስ መገዲ ንመልእኽቲ ወንጌል ክሰብኩሉ ዝኽእሉ ጸጋ ክዕድሎም ንጸሊ፥ ምእንቲ እታ አብ ጸንኩር ቦታትን ኩነታትን ቃል ወንጌል አብ ምስባኽ ንእትርከብ ማሕበር ክርስቶስ ንጸሊ፥ ምእንቲ ቍምስናናን ማሕበርና አብ እምነትና ጽኑዓት ክንከውን እሞ መንፈስ ሰበኽቲ ወንጌል አባና ክሓድር እሞ ፍረ ክነፍሪ ነቶም አብ መንጎና ዝነብሩ ክንሰብኮም ክሕግዘና ንጸሊ። ብኻልእ አዘራርባ እንታይ ዓይነት አጀንዳ እዩ አብ ከባቢና ዘሎ ሕብረተሰብ ነዛ ማሕበርና ዝጽሕፈልና ወይ ዘቕርበልና ዘሎ ኢልና ንህልው ኩንታት ቤተ ክርስትያናን ቍምስናና ክንርኢ እንተ ኸአልና ክንሕደስ ክንምለስ አይክጽግመናን እዩ። 

ጴጥሮስን ጳውሎስን ከም ኩላትና ድኽመትን ዓወትን ዝሓዘ ሕይወት ሒዞም እዮም ዝጉዓዙ ነሮም። ክልቲኦም አብ ተልእኮኡ ክዓዩ ብኢየሱስ ተሓርዮም፥ ክልቲኦም ንኢየሱስ ምስ ሰዓቡ አስማቶም ተቐይሩ፥ ክልቲኦም ምእንቲ ክርስቶስ ተአሲሮም ተሰጒጎም ተዋሪዶም አብ መጨረሻ ከአ ሕይወቶም ብሰማዕትነት ሓሊፎም። አብዚ እዩ እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ብዓልና ዝወስደና። አብ ጉዕዞ ሕይወትና ዝተፈላለየ ነገራት ክገጥመና ይኽእል እዩ እንተ ኾነ ጸኒዕና ክነብር።

አምላኽ ኩሉ ጊዜ ናቱ ከና ክነብር አብ ግራቱ ክንዓዩ ንብዙሓት ብርሃን ክርስቶስ ክርእዩ ዘይከአሉ ክነብጽሕ ከምኡ አብ መንጎና ሰይጣን ዓይኖም አዕዊሩ አብ መገዲ ጸጋም ወሲድዎም ንዘሎ ክንመልሶም ዓይኖም ከምዝርኢ ክንገብር ሎሚ ክንልአኽ ከም ጴጥሮስን ጳውሎስን ንሕተት አሎና። ብሓባር ንጴጥሮስን ጳውሎስን አባኹም ዝሓደረ ፍቕሪ ክርስቶስ አባይ እውን ሓዲሩ ክምስክር ክሰብኽ ትብዓት ክለብስ እሞ ሞት እንተ አድለየ እውን ደፊረ ክቕበል ለምኑለይ ንበሎም።

አብ ኩሉ አብ እምነትና ጸኒዕና መንፈስ ጴጥሮስን ጳውሎስን አይፈለየና።

ብሩኽ ብዓለ ጴጥሮሰ ጳውሎስ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.