2018-07-09 16:10:00

ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዛዕባ ዘተ ኣይሁድን ካቶሊክን


ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ኣዚዮም ዝግልደስሉን ኣብ ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምሮም ብዙሕ ኣተኵሮ ዝገብርሉ ብዛዕባ ዘተ ሃይማኖት ኣይሁድን እምነት ካቶሊክን ኣማእኪሎም  እቲ ኣብ መንጐ ኣይሁድን ካቶሊክን ዘሎ ርክብን ህልዮ ተካእነትን ገና ኣብ መዕለቢ ዘይበጽሔ ቃል ኪዳንን  ዘማእከለ ዘቕረብዎ ናይ ኣስተንትኖ ጽሑፍ ኣብ መጽሔት ኮሙኒዮ ናይ መወዳእታ ሕትመት ንንባብ ቀሪቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ ምሕረትን ጸዋዕታን ብዘይ ጣዕሳ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ኣብ መንጐ ሃማኖት ኣይሁድን እምነት ካቶሊክን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ዝድህስስ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዝሃብዎ ኣርእስቲ ብቐጥታ እቲ ጽሑፍ ዝድህስሶ ሓሳብ ዘመላኽት ዘይመስል እውን እንተዀነ ነቲ ጽሑፍ ምስ ኣንበብካዮ እቲ ዝሃብዎ ኣርእስቲ ናይቲ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ናይ ንባብ መፍትሒኡ ምዃኑ ተስተውዕል።

በነዲክቶስ መበል 16 ብብዕራዊ ትዕግስትን ቲዮሎጊያዊ ልቕነትን ተሰንዮም እቲ ካብ ቀደም ኣትሒዞም ዝግደስሉን ምልስ ቢሎም ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘበገሶ ናይ ሓባር ዘተ ኣማእኪሎም እቲ ክሳብ ሎሚ ብዙሓት ምሁራት ብዙሕ ዘስተንትኑሉን ዝመያየጥሉን ሕቶ ዘተ ሃይማኖት ኣይሁድን እምነት ካቶሊክን ዘካትዕ ህልዮ ትካኤን እዚ ኸኣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተካኢት እስራኤል ኣይኰነንትን (እስራኤል ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣይተተከእትን ዝብልን) እቲ ገና ጠሩሹ ዘይተፈትሐ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኣይሁድን ዘሎ ቃል ኪዳን ዝብል ሰረተ ሓሳብ ብዕምቆት የመላኽቱ።

ኮሙኒዮ እተሰምየ ሰለስተ ወርሓዊ መጽሔት ኣብ 1972 ዓ.ም. ብጆሰፍ ራትዚንገርን ሃንስ ሁርስ ቮን ባልታሳርን ሃንሪ ደ ሉባክን ዣን ሉክ ማሪዮን ካልእቶ ውሩያት ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ዝመስረተዎ መጽሔት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ልሂር ር.ሊ.ጳ. ጆሰፍ ራትዚንገር ኣብ ዘቅረብዎ ቲዮሎጊያዊ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ህልዮን ሰረት ሓሳብን ንጹርን ብቑዕን ትንተና ስለ ዘይተገበረሉ፡  ቁርጽን ቀጻሊ ዓሚይቕን መጽናዕቲ ዘድልዮ ምዃኑ የመላኽት፡ እዚ ናብቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተፈልለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባ ዘተ ሓልዮን ቤት ጽሕፈት ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት ናይ ሓባር  ዘተ ድርገት ዘውጸኦ ሰነድ ምስቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Nostra Aetate ዘለናዮ ዘመን  ዝብል መበል 50 ዓመት ቅዋሜኡ ዝተብዓለ ውሳኔ መሰረት ዓሚዩቕ  መጽናዕቲ ዘድልዮ ምዃኑ የመልክት፡ ብፍላይ እቶም ክልተ ሰረት ሓሳብ ድሕሪ ጉባኤ ውድቂ ምዃኑ ብምሕሳብ ክኸውን ከምዘለዎ የተሓሳስቡ።

ኣገዳሲ ኣስተዋጽዖ

ዕለት 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ብዛዕባ እቲ ክሌኣዊ ድርገት ዝምልከት ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖትን ካቶሊክ እምነት ናይ ሓባር ዘተ ዘቕረብዎ ዓሚይቕ መጽናዕቲ ሰፊሕን ጥልቅን ምዃኑ ገሊጾም በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፎም ንሕትመት ከብቅዑ ይሓትዎም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 መጽናዕቲ ነቲ ኣብ መንጐ ኣይሁድን ካቶሊክን ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ኣዚዩ ኣገዳስን ዓቢይን ኣስተዋጽኦ ምዃኑ ይንገር።

         ሃይማኖት ኣይሁድ ኣብ ፍሉይ ኵነት ይርከብ፡ ከምዚ ፍሉይ ምዃኑ ብቤተ ክርስቲያን ተፈላጥነት ክህልዎ ይግባእ

ኣብ መንጐ ካብተን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓደ ኣይኰነን

ኣብ መንጐ ኣይሁድን ክርስትናን ዘሎ ናይ ዘተ መስፈርን ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃይማኖታት ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ኣብ ኮሙኒዮ ዘውጽእዎ ጽሑፎም፡ ቤተ ክርስቲያን ተካኢት ኣስራኤል ከምዘይኰነትን ግዳስ ኣይሁድ ሃይማኖት ፍሉዩ ደረጃ ኣለዎ ትብል፡ ኣብ መንጐ ካብተን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓደ ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍሉይ ኩነት እዩ ዝርከብ፡ በዚ ደረጃ እዚ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣፍልጦ ትህቦ ይብሉ።

ዘይእኹል ህልዮ

እቲ ገና ዘይተፈትሐ እቲ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ኣይሁድን ዘሎ ቃል ኪዳን ኣብ ምዋዕል ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝመንጨወ ሓሳብ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣይሁድነት ብመንጽር ክርስትና ክረአይ እንከሎ እዩ፡ ክርስቲያናዊ ትንታኔ እዩ፡ ከም በነዲክቶስ መበል 16 ኣመለካኽታ፡ ክጽናዕን ክትንተንን ክትርጎምን ይግብኦ፡ እቲ ገና መፍታሒ ዘይረኸበ ቃል ኪዳን ዝብል ቀመር ይብሉ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ፡ እኹል ከምዘይኰነ ይሕብሩ፡ ስለዚህ ከምቲ ከም ዕብየቱን ዓሚቕይነቱን ዓቢይን ዓሚይቕን ኣስተንትኖ ይሓትት ይብሉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.