2018-07-06 16:44:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ምክልኻል ምህዳር ኩለን ሃገራት ዝተቐበለኦ ስምምዕ ከኽብራ


“ከባቢ ኣየር ዝብክል ዘበለ ኩሉ ንምንካይ ቅንዕናን ግልጽነን ትብዓትን ሓላፍነትን ይሓትት፡ ብፍላይ ከኣ ናይተን ሓያላትን ኣዚየን ከባቢ ኣየር ናይ ዝብልክላ ሃገራት”

ስምዖን . ኣርኣያ- ከተማ ቫቲካን

“እቲ ጭቡሕ ሓደጋ ንመጻኢ ትውልዲ ዕንወትን ምድረ በዳነትን ረሳሕን ምሕዳግ ዝብል እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ነዚ ሓደጋ ብዓንተውኡ ንምብዳሕ ምሉእን ጭቡጥን ኵለንተናዊ ስነ ምህዳራዊ ምኽዋን ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሕጹጽን ኣገዳስን ተግባር ዝሓበሩ፡

ምስ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ስነ ምህዳር ካቶሊካዊ ምንቅስቓስን ቃል ኪዳናዊ ጥምረት ዝተፈላለያ ናይ ኵለንተናዊ ምዕባለ ሓልዮ ካቶሊካውያን ማሕበራትን ብምትሕብባር ብውልቃውን ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ደረጃ ኣብ ምክንኻን ዘፍጥረት ክኽወን ዝግብኦ ተግባራት ብሰፊሕ ዝትንትን ምክንኻን ዘፍጥረት መንፈሳውን ሰብኣውን ሓላፍነትን ጥዕና ዘፍጥረትን ተማራዃሱ ምዃኑ ብሰፍሕ ዘመላኽት ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ መሰረት ዝገበረ ናይ ሓባር ቤትናን ኣብ መሬት መጻኢ ሕይወትን ንምድሓን  ብዝብል ኣርእስቲ ጳጳሳዊ ሓልዮ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ቤት ጽሕፈት ዘሰናደዎ  ካብ ዕለት 5 ሐምለ ክሳብ ዕለት 6 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን  ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ተጋባያን ሎሚ ኣብ ቀለመንጦንስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱነቶም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ብዛዕባ ስነ ምህዳር ንኽዝትይ ዝተጸውዔ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ እናሓሰቡ፡ እቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ዋዕላ ፓሪስ ዘመልክቶ ውሳኔ ንምክንኻን ምህዳር መሰረት ምዃኑ እንክሕብሩ፥

“እቲ ናይ ፓሪስ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንምዓል ብዙሕ ምትጋህ ከምዘድልን፡ እቲ ውሳኔ ምኽዋን ኣገዳሲ እዩ፡ ኵለን ነቲ ስምምዕ ዝተቐበለኦ ሃገራት ቃለን ከኽብራን እቲ ቅልውላው ምህዳር ኣብ ዝገደደ ደረጃ ንኸይበጽሕ ኣብ ምኽባር ውዕል ፓሪስ ምትጋህ የድሊ፡ እቲ ናይ ከባቢ ኣየር ብከላ ንምንካይ ዝግበር ጻዕሪ ቅንዕና ትብዓትን ሓላፍነትን ብፍላይ ናይ ሓያላትን ናይተን ኣብ ምብካል ናይ ተፈጥሮ ኣየር ልዑል ተሓታትነት ዘለወን ሃገራት እዩ፡ ግዜ ምብኻን ኣየድልን”

 ኢሎም 

ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ሃብቲ ገንዘብን ናይ ዓለም ባንኪ ቤትን ስሉጥ መደብ ህዳሴ ክድግፋ

ኣብ ምንካይ ብከላ ተፈጥሮ ኣየርን ከባብን ከይዲ ንሃገራት ዝምልከት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ “ናይ ዞባታት ኣባይቲ ምሕደራን በርገሳውያን ውድባት፡ ናይ ኤኮኖሚ ተቕዋማትን፡ ናይ ሃይማኖትን ናይ ኵለንተናዊ ስነ ምህዳር ባህልን ትግባረን ከተባብዓ ይግባእ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 14 መስከረም 2018 ዓ.ም. ብዛዕባ ትግባረ ምንካይ ብከላ ኣየርን ከባብን ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ብቑዕን ተፈጻምን ሓሳባት ከቕርብ ሓደራ ቢሎም፡ ኣብዚ መዳይ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ተቕዋማት እውን ክጻወተኦ ዝግብአን ዓቢይ ተራ ኣለወን”፥

ረባሕታ ሓብቲ ገንዘብ ንናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት መኸወኒ ናብ ዝብል ዕላማ ከብል ኣገዳሲ እዩ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት፡ ንኣብነ ከም ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሃብቲ ገንዘብን ዓለም ሓቆፍ ባንክን ስሉጥ ንዅሉ ዝሓቁፍ ማንም ዘይንጽል ተቐባልነት ዘለዎ ሓድሽ መደብ ልምዓት ክግድፋ ይግባእ፡ እቲ ተስፋ ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብን [ ... ] ዳግም ንዝበለጸ ሃብቲ ምህርትን ልምዓትን መሳለጢ ክኸውን ዝብል እዩ

ይብሉ።

ኢፍትሓውነት ዘይሰዓር ኣይኰነን

ቅዱስ ኣቦና ምልስ ቢሎም ንዅለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እናሓሰቡ፡ ብፍላይ ኣቢያተ ክርስቲያን ስነ ህዳራዊ ለውጢ ንምድጋፍን ንምትብባዕን ዓቢይ ግደ ከምዘለወንን፡ መንእሰይን ደቀባት ሕዝብታትን ኣብ ዝቕጽሉ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክልተ ሲኖዶት ማእከል ከምዝኸውንን ብፍላይ ከኣ ብድሆ ኵለንተናዊ ምህዳር ማእከል ዝገበር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ብሓቂ እቲ ዘሕዝን በቲ ሓድሽ ዓይነት ናይ ምብኻንን ሃልክነትን ባህሊ ዘስፍሕ መግዛእቲ ናይ ደቀባት መሬት ክበሓትን ክምንዛዕን ባህሎም ክርገጽን ምርኣይ እዩ ምስ በሉ፥ ነቶም ተጋባእያን ኣብ ስነ ምህዳር ክንክንን ኵለንተናዊ ስነ ምህዳርን ክተግሁን ንመሰረታዊ ለውጢ ክዓዩን ኣበራቲዖም፡ “ኢፍትሓውነት ፍጺሙ ዘይተሰዓሪ ኣይኰነን” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.