2018-07-05 09:11:00

ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ በይኖም ዝዀኑ ካህናት ክድገፉ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካህናት ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ድኻምን ብሕትውነትን ክጸናንዑን ድጋፍ ክረኽቡን ሓደራ ይብሉ።

ሲሞነ ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መረብት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ድኻም ካህናት ዘተኰረ ክኸውን ቢሎም፥ ብሓባር ስለ እቶም ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎቶም ኣብ ድኻምን ብሕትውናን ንዝርከቡ ካህናት ብናይ ጐይታን ናይ ኣሕዋትን ቅርበንትን ምሕዝነትን ዝጸናንዑን ድጋፍ ዝረኽቡ ክዀኑ መታን ስሌኦም ንጸልይ” እንክብሉ ብምስማዐ ርእየት ኣቢሎም ዝገልጽዎ ሓሳብ ብዝተፈላለየ መደባቱ የነቓቕሕ።

ሕዝቢ ንጓሶቱ የፍቕር

“ካህናት ምስቲ ዘለዎም ብልጫታቶም ኵነ ኣበርን ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ የሳልጡ፡ ስለዚህ ኣብ ቅድሚ እዚ ዅሉ ዓውዲ ብዘጋጠሞም ምድንጋራት ደውታ ከይመርጹ ሓደራ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ኣስዒቦም፥ “ክርሳዕ ዘይብሉ፡ ሕዝቢ ጓሶት ዘድልዮን ኣብ ጓሶት እማነ ክገብሩን ዝድርዀነ ከኣ ን ጓሶቱ ዘፍቅር ብምዃኑ እዩ”

ብዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሃሳብ ኣብ ካህናት ዘተኰረ ክከውን የተሓሳስቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.