2018-07-05 09:37:00

ብፁዕ ካርዲናል ሁመስ፡ ኣበርክቶ ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ቀንዲ ኣንቀሳቓሲ እዩ


ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያን ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ናይ ኣማዞን ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ናይ ካበቢ ኣማዞን ሲኖዶስ፥ ጸገማት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞንን ክንክንን ሓለዋን ናይ ሓባር ቤትናን (ምህዳርን) ዝብሉ ነጥብታት ብሰፊሕ ክመያየጠሎም ምዃኑ ገሊጾም፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ሰፊሕ ከባቢ ኣማዞን ብዙሕ ዝሻቐሉ ምዃኖም ብፁዕነቶም ይሕብሩ።

ሲሞነ . ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. “ኣማዞን፡ ሓዲሽ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ንሓደ ኵለንተናዊ ስነ ምህዳራዊ ጉዕዞን” ዝብል ቅውሙ ሓሳብ ኣማእኪሉ ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ናይ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ሲኖዶስ ማለት ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን ብፁዓን ጳጳሳት ንኸካይድዎ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ፡ ኣብ ፐሩ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 21 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ብወግዒ ዝገለጽዎ ምዃኑ ዝዝከር እዩ። ካብቶም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ዝተመዙ 18 ኣባላት ናይ ኣማዞን ቀድመ ሲኖዶስ ጉባኤ መማኽርቲ ሓደ ብራዚሊያዊ ብፁዕ ካርዲናል ካላውዲዮ ሁመስ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ዕለት 29 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ ብፁዓን ካርዲናላት ቅድሚ ምስታፎም ኣብ ላቲን ኣመሪካ ከባቢ ኣማዞን ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምት 2019 ዓ.ም. ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ዝተፈላለየ ጐስጓስን ንኽካየድ ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ቤተ ክርስቲያንን ንኸነቓቕሑ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ዕላማ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ

እቲ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተልእኾኣ ብኸመይ ትፍጽም ኣላ፡ ብግቡእ ትፍጽም’ዶ ዝብል ሕቶ ብዕምቆት ዝምልከትን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ ኣብ መጻኢ ክትክውኖ ዝግባኣ ክትሓስብ ልልያ ክተገብር ዝድግፍን እዩ፡ ብሓጺሩ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኣስፍሆተ ወንጌል ንምእዋን እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ፈልዩ ዝመክር ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ሁመስ ይሕብሩ። ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዘሎ ኩነት ከቢድ እዩ፡ ኣብቲ ከባቢ ዋሕዲ ካህናት ብምህላዉ እቲ ብዙሕ ዕዮ ወንጌላዊ ተልእኾ ዓለማውያን ምእመናን እዮም ዘሳልጥዎ።

ሓለዋን ክንክንን ናይ ሓባር ቤት

ከባቢ ኣማዞን ንብዙሕ ሓደጋ ዝተቓልዔን ብፍላይ ከኣ ልምዓት ብዝብል ምስምስ ኣብ ልዕሊ እቲ ከባቢ ዝፍጸም ዘሎ ከቢድ ኣውዳሚ ሓደጋ ዘተሓሳብ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ብዙሕ ኣተኵሮ ዘድልዮን ናይ ኣማዞን ጥራሕ ዘይኰነ ናይ እንነብረሉ ምህዳር መጻኢ ብሉጽ ክኸውን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓትን ቅቡል ዓይነት ኣነባብራ ንምእንጋድ መገዲ ዘመላኽት ሲኖዶስ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣዚዩ ዘሻቕሎም ህልው ኩነት ኣማዞን

ኵሉ ከምዝዝክሮ ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ሁመስ፡ ቅዱስ ኣቦና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ብዛዕባ ፍጥረትን ተፈጥሮን ግብረ ሓዋርያውን ሰብኣውን ሻቕሎቶም ምዃኑ ብጋህዲ እናሓበሩ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ኣማዞን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኰነ ኣብ ሰብኣዊ መዳይን እውን ነቲ ከባቢ ካብ ዕንወት ንምድሓን ቀዳመይቲ ተዋሳኢት ንኽትከውን ብምትብባዕ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ስነ ምህዳር መሓቕፎ ዝተማእከለ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ እንታይን ከመይን ምዃኑ ኣነጺሮም እዮም፡ ክሳብ ሰብ ጽቡቕ ድላይን መላእ ዘርኢ ሰብን ብዛዕባ ስነ ምህዳር ክሓስብን ፍጥረትን ተፈጥሮን ኣብ ምንክኻን ክተግህን ዝመርሑ እዮም ይብሉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.