2018-07-05 09:49:00

ሓምሻይ ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ኣመሪካ፥ ናይ ወንጌል ሓሴት


ሓምሻይ ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ኣመሪካ ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 14 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቦሊቪያ ከተማ ሳንታ ክሩስ ደ ላ ሲየራ፥ ኣመሪካ ኣብ ተልእኾ ወንጌል፡ ወንጌል ሓሴት እዩ!” ብዝብል ቅዉም ነገር ተመሪሑ ክካይድ ምዃኑ እንክንገር፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ጉባኤ ንኽውክልዎም ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ይሰምዩ።

ሲሞነ . ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ጉባኤ ተልእዀ ወንጌል ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኮ ምስ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ምስ መላእ ኣብቲ ክፍሊ ዓለም ምዝ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ ተልእኮ ወንጌልን ማሕበራት ክውንነታት ብምትሕብባር ዘበገሶ ጉባኤ ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፥

ታሪኻው ኣናስር ጉባኤ ተልእኮ ወንጌል ላቲን-ኣመሪካ

እቲ ቀዳማይ ካብ ዕለት 20 ክሳብ ዕለት 23 ሕዳር 1977 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ መክሲኮ ከተማ ቶረእን፥ ኵላዊ ድሕነት፡ ጻዕርታት መክሲኮ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ጉባኤ’ዚ ኣብ ጓዳሉፐ መነቓቕሒ ወንጌላዊ ልኡክነት ማእከል ክቐውምን ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣብ ልኡካነ ወንጌላውነት ክተግሁ ኣብ መላእ ሰበኻታት ላቲን ኣመሪካ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኮ ወንጌል ምንቕቓሕ ዝብል ውሳኔ እውን ዘመሓላለፈ ምንባሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ይዝከር።

እቲ ካልኣይ ጉባኤ፥ ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 22 ግንቦት 1983 ዓ.ም. ብሓባር ምስ ማርያም ናይ ክርስቶስ ልኡካንብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ መክሲኮ ከተማ ትላክስካላ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ንፈለማ ጊዜ ጉባኤ ተልእኾ ወንጌል ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝብል ወግዓዊ መጸውዕ ስም ከምእተወሃቦን፡ ንናይ Fidei donum-ጸጋ እምነት ብዝብል መጸውዕ ንዝፍለጥ ኣባላት ልኡካነ ወንጌል ካህናት ድጋፍን ምትብባዕን ክቐርብን ናይ ሰበኻ ካህናት ካብተን ብዙሓት ካህናት ዘለወን ሰበኻታት ናብተን ዋሕዲ ካህናት ዘለወን ሰበኻታት ምልኣኽን ናይ ሰበኻ ካህናት ኣብ ልኡካነ ወንጌላውነት ምትብባዕን ዝብሉ ኣብ ወንጌላዊ ልኡክነት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ኩሉ ክርስቲያን ምንቕቓሕ ዝብሉ ውሳኔታት ከምእተመሓለለፈ ዘዘኻኸረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ሳልሳይ ጉብኤ ላቲን ኣመሪካዊ ተልእኮ ወንጌል ኣብ ኮሎምቢያ ከተማ ቦጎታ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 ሓምለ 1987 ዓ.ም. ኣመሪካ ልኡካነ ወንጌል እትዀኑሉ እዋኑ በጺሑ እዩ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ወንጌል ሓይሊ ምድሓን እግዚኣብሔር ንኹሉን ንዝኣመነን ድሕነት ምብጻሕ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብቲ ጉብኤ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩን እቲ ናይ ቦጐታ ጉባኤ ነዚ ሓሳብ ዘቃልሕ ምንባሩ ይገልጽ።

እቲ ራብዓይ ኣብ ሃገረ ፐሩ ከተማ ሊማ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 9 ለካቲት 1991 ዓ.ም. ላቲን ኣመሪካ ካብ እምነትኪ ወንጌላውያን ለኣኺ ብዝብል ቅውም ሓሳብ ተማእኪሉ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ክፍለ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ህያውነት ክብ ዝብል ካብ ዶባታ ወጻኢ ወንጌላውያን ምስ እትልእኽ ምዃኑ ዘስመረን፡ እቲ ነሕዛብ እተሰምየ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ማእከል ዝገበረ ምዃኑ ፊደስ እንከመልክት፡

ራብዓይ ጉባኤ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 23 ሐምለ 1995 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ብራዚል ከተማ በሎ ሆሪዞንተ፥ ወንጌል ኣብ ባህልታት፡ ከይዲ ሕውየትን ተስፋን ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዮ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብዚ ናይ ብራዚል ጉባኤ፥

ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርትን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ብሓላፍነት ዘረከቦ ተልእኾ ወንጌል ሎሚ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ስለስተ ብድሆታት ማለት፥ እቲ ቀዳማይ ርክብ ወንጌል ምስ ሃገራውያን ባህልታትን እቲ ካልኣይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን እቲ ሳልሳይ ከኣ ትግባረ ውሳኔ ናብ ኣሕዛብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብል እዩ፡ እዞም ብድሆታት እዚኣቶም ድኻታትን ስደተይናታትን ሓላፋ ብዝብል እውነተይና ወንጌላውነት ጥራሕ እዮም ዝስገሩ፡

ዝብል ቃለ ምዕዳን ዘማእከለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎን ከምዝነብሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘካኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.