2018-07-04 16:24:00

ንግጭታት ንምፍታሕ ጸሎት እታ ዝበለጸት መጋበሪት እያ!


ናይ መላእ ማእከላይ ምብራቅ ፓትርያርክታት ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኮይኖም ካብ ከተማ ባሪ ንመላእ ዓለምን ማሕበረሰብ ዓለምን ብስም ሃገራቶምን ብስም ሕዝቦምን ብሓባር ከመሓላልፍዎ ወሲኖሞ ዘለው ሓባራዊ መልእኽቲ ‘ንግጭታት ንምፍታሕ ጸሎት እታ ዝበለጸት መጋበሪት እያ! ‘ ዝብል ከምዝኾነ ተመልኪቱ፣

ናይ ሰበኻ ከተማ ባሪ ቤትጽሕፈት ሓድነት ኣብያተክርስትያን ምኽትል ጸሓፊ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ቀዳም ዝካየድ ጸሎትን ኣስተንትኖን ስለሰላም ማእከላይ ምብራቅ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

‘ኣብዚ ጉባኤ እዚ ክሳተፉ ዝሸባሸቡ ዘለው ናይ ቅብጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣለክሳንድርያ ፓትርያርክ ብፁዕን ቅዱስን ታዋድሮስ ካልኣይ ብዝገለጽዎ መሠረት `ንሕና እንኣምኖን እንተኣማመነሉን ጉዳይ እንተሎ ካብ ዝኾነ ጸገም ዘናግፈናን ንኩሎም ግጭታት ንምፍታሕን መጽኢና ንሰላምን ዕርቅን ከብርሃልና ዝኽእል እቲ ዝዓበየ መጋበሪ ጸሎት እዩ` ኣብቲ ንዕለት 7 ሓምለ ብዕድመ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ከተማ ባሪ ‘ዕለተ ኣስተንትኖን ጸሎትን ስለሰላም ማእከላይ ምብራቅ’ ክሳተፉ ምዃኖም ሓቢሮም።

ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ተዋድሮስ ካልኣይ ነዙይ ዝበሉ ሲር ንዝበሃል ኣገልግሎት ዜና ዝሃብዎ ቃል እንኪኸውን ቀጺሎም እውን ‘እቲ ብሓንሳብ ምዃና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዘለዎ ፍቅሪ ዝገልጽ ኮይኑ ኣብቲ ርክብና እታ ኣገዳሲት ነገር እዚኣ እያ፣ እቲ ሓደ ስለ እቲ ሓደ ክጽሊ ኣብዚ ጽንኩር ግዜ ኣብዚ እንክርከብ ብርግጽ እዚ ነቶም ዝሳቀዩ ኣሕዋትና ምጽንናዕ ከምጽእ እዩ፣ መላእ ዓለም ክርደኣልና እንደልዮ ክርስትና ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ብዕምቆት ዝተመስረተ ምዃኑ እንክኾን በዚ ከኣ እንነብረሎም ባህልታትናን ዕላማታትናን ክትርድኡልና ምሕታትና ኣድላዪ እዩ፣ በጃኻትኩም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓድታትና ኢድኩም ኣይተእትው፣ ንሕና ንጸገማትና ብመንፈስ ፍቅርን ዘተን ምርድዳእን ክንፈትሖ ንኽእል ኢና’ ኢሎም፣ እንክብሉ ኣባ ኣልፍረዶ ጋብርየሊ ምኽትል ኣመሓዳሪ ናይ ሰበኻ ባሪቢቶቶ ቤትጽሕፈት ሓድነት ኣብያተክርስትያን ገሊጾም፣

ኣባ ኣልፍረዶ መግለጺኦም ብምትሕሓዝ `ትርጉም ህላዌ ክርስትያን ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ክንርዳእ ኣሎና፣ ከም ዝመስለኒ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ክንዮ እቲ ናይ ኣብያተክርስትያናት ርክብን ህልውና ክርስትያንን ትርጉም ክርስትና ንናይ ሎሚ ዓለምና ንምግላጽ እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ብዛዕባ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ንምስትንታን ክንዮ ሓደነት ክርስትያንን ኣብያተክርስትያንን ክግበር ኣይከኣልን ምኽንያት ብዛዕባ ሰላም እናተዛረብካ ገና ንሕና ክርስትያን ተመቃቂልና እንከሎና እንተኾይኑ ብዛዕባ ህላዌ ክርስትያን ኣብዚ ዓለም ኣብ እንህቦ ምስክርነት ክኸብደና እዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚ ንከተማ ባሪ ምምራጽ እውን ምስ ቅዱስ ቅርያት ቅዱስ ኒኮላ እንክነተሓሕዞ እዚ ቅዱስ እዚ ናይ ዕርቅን ሰላምን ኣብ መንጎ ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ምስ ካልኦት እውን ጽሑፋቱ ዝገልጾ እዩ፣ ኩሎም ስለሰላም ኣብ ዝጽልይሉ ኣብዚ ቅዱስ ቦታ ክርከቡ ከለው ካቶሊካውያን ኦርቶዶክሳውያን ብሓባር ንቅድሚት ንክስጉሙ ዝደፍኦም ሓይሊ ይረኽቡ፣ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.